Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

caring for the sick


ያእቆብ 5:13-15 | 28 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር። ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:31-46 | 10 Helpful votes

ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንንጸሚኤኣየስቴኹምንንገይሸኣይተቐበልኩምንንዐሪቐኣይከደንኩምንንሐሚመተኣሲረኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:3-4 | 10 Helpful votes

ነቲ ስቡሕ ትበልዑጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩንንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምንንዝሐመመት ኣይፈወስኩምንንተሰብረት ኣይዘነንኩምንንተባረረት ኣይመለስኩምንንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምንብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን

Translation | Context
ማቴዎስ 25:44 | 8 Helpful votes

ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ

Translation | Context
ኤርምያስ 30:17 | 6 Helpful votes

እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
3ይ ዮሃንስ 1:2 | 6 Helpful votes

ኣታ ፍቁርከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየትብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1-2 | 6 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ

Translation | Context
ህዝቅኤል 34:16 | 5 Helpful votes

ዝጠፍኤት ክደሊእተባረረት ክመልስእተሰብረት ክዘንንዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፣ ነታ ዝሰብሔትውን ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእብፍርዲውን ክጓስየን እየ።

Translation | Context
መዝሙር 30:2 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 2 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:4-5 | 2 Helpful votes

ዚጕህዩምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላትንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 6:31 | 2 Helpful votes

ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም

Translation | Context