Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

celebrating holidays


ቈሎሴ 2:16 | 24 Helpful votes

ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም

Translation | Context
ሮሜ 14:5-6 | 21 Helpful votes

እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1-23 | 18 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርናንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትናንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትናናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮመንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎእቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔይዂነን

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:14-15 | 9 Helpful votes

ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለንምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩምኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:1-4 | 6 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱብትእምርትታት ሰማይውንኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ

Translation | Context
ኣስቴር 9:20-22 | 5 Helpful votes

ማርዶካይ ድማ ነዚ ነገር እዚ ጽሒፉ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ ደብዳቤታት ሰደደ። ኣብ ወርሒ ኣዳር፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትን ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ዐዐመት ኬብዕልወን ኣዘዞም። እተን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዝዐረፉለን መዓልትታት፡ በዛ ወርሒ እዚኣ ጭንቆም ኣብ ሓጐስ፡ ሐዘኖም ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ እተለወጠሉ፡ ነተን መዓልትታት እቲኤን መዓልትታት መስተን ሓጐስን ኪገብርወንንሓድሕዶም ከአ ህያባት ኪላኣአኹንድኻታት ድማ ምጽዋት ኪምጽውቱ ሐገገሎም።

Translation | Context
ዘዳግም 12:29-32 | 5 Helpful votes

ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰልብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ። እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።

Translation | Context
ገላትያ 4:10-11 | 4 Helpful votes

መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም። ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውንብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ።

Translation | Context
ነህምያ 8:9-10 | 3 Helpful votes

ኩሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኺሰምዑ ኸለውይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ ነህምያ እቲ ትርሻታን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍንእቶም ህዝቢ ዜስተምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንዅሉ እቲ ህብዚ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን በልዎም። ንሱ ኸኣ ኪዱ ዝሰብሔ ብልዑዝጠዐመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዜብሎም ከአ ግዲኦም ስደድሎምእዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሀዩበሎም

Translation | Context