Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

celebrating pagan holidays


ቈሎሴ 2:8 | 10 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲተጠንቀቑ

Translation | Context
ዘዳግም 12:29-32 | 10 Helpful votes

ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰልብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ። እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:1-5 | 8 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱብትእምርትታት ሰማይውንኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮምጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም

Translation | Context
ማቴዎስ 15:3 | 8 Helpful votes

ንሱ መሊሱ በሎምስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧

Translation | Context
እብራውያን 10:26 | 6 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብናፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበርደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 14:1-23 | 5 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርናንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትናንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትናናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮመንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎእቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔይዂነን

Translation | Context
ሮሜ 14:5-6 | 4 Helpful votes

እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-3 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:8-11 | 3 Helpful votes

መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን

Translation | Context
ቈሎሴ 2:16 | 3 Helpful votes

ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም

Translation | Context
እብራውያን 13:8 | 3 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 3 Helpful votes

የሱስ ግናሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
ዘጸአት 31:13 | 2 Helpful votes

ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኽትፈልጡስኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ እየን እሞ፡ ስናብተይ ኣጸቢቕኩም ሐልዉ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:6 | 2 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፣ ኣቱም ደቂ ያእቆብል ስለዚ ኣይጠፋእኩምን

Translation | Context
ገላትያ 4:8-11 | 2 Helpful votes

ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም። ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውንብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 28:16-17 | 2 Helpful votes

በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 2 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:1-24 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ። እቲ ብዕራይ ዚሐርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ፡ እቲ ገንሸል ዚስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዜቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዚስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዚዐጥን ከምቲ ንጣኦት ዜመስግን እዩ። እወ፡ መገድታት ርእሶም ሐረዩነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይንተዛረበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ። ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዚጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዚሰጉኹምን ኣሕዋትኩምሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበርይብሉ፡ ግናኸ ኪሐፍሩ እዮም። ድምጺ ታዕታዕ ካብ ከተማ፡ ድምጺ ኻብ ቤት መቕደስ ይስማዕ አሎ፡ ድምጺ እቲ ንጸላእቱ ፍዳ ዚፈዲ እግዚኣብሄር እዩ። ቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡንክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም። ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም። ልብኹም ከኣ እዚ ርእዩ ኺሕጐስ እዩ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ከም ዚጥጥዕ ሳዕሪ ሓይሊ ኺውስኽ እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ፡ ንጸላእቱውን ኪቚጥዖም እዩ። ኲራኡ ብነድሪመግናሕቱ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ኺፈዲእንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኺመጽእ እዩ፡ ሰረገላታቱውን ከም ህቦብላ ኪዀና እየን። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ስጋ ዝለበሰ ብሓውን ሰይፍን ኪፈርዶ እዩ እሞ፡ እቶም እግዚኣብሄር ዚቐትሎም ብዙሓት እዮም። እቶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ናብ ኣታኽልቲ ኪኸዱ ንነፍሶም ዚቕድሱን ዜጽርዩንስጋ ሓሰማን ፍንፋንን ኣናጹን ዚበልዑ ዂሎም ብሓደ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግብሮምን ሓሳቦምን እፈልጥ እየ፡ ኲሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመጽእ አሎ፡ ንሳቶም ከኣ ኪመጹን ክብረተይ ኪርእዩን እዮም። ኣባታቶም ከኣ ትእምርቲ ኽገብር እየ፡ ነቶም ካባታቶም ዘምለጡ ናብ ኣህዛብ፡ ናብቶም መንትግ ዚውርውሩ ሰብ ተርሲስን ፋልን ሉድን ናብ ቱባልን ያዋንን፡ ናብተን ወረይ ዘይሰምዓክብረይ ከኣ ዘይረኣያ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኽ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክብረይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪነግሩ እዮም። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦምብጽሩይ ኣቕሓ ገይሮም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ፡ ንዂሎም ኣሕዋትኩም ድማ፡ መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፡ በፍራስን ብሰረገላታትን ብቓሬዛታትን በባቕልን ብፈጠናት ኣግማልን ካብ ኲሎም ኣህዛብ ናብቲ ቅዱስ ከረነይ ናብ የሩሳሌም ኬምጽእዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄርካህናትን ሌዋውያንን ዚዀነ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለው ኺርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይኪመውትንሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context