Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።
Translation | Contextብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።
Translation | Contextንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።
Translation | Contextእቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።
Translation | Contextዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዅናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ።
Translation | Contextብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምእውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዚስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኺበልዕን ኪሰትን ተቐመጠ ኺሰሐቕውን ተንስኤ፡ ዚብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። እዚ ዂሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ። ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዚበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ እንታይከ እብል አሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዚፍረድ፧ ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ አሎኹ።
Translation | Context