Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

chosen


ሮሜ 8:28-30 | 9 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውንንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም

Translation | Context
ዮሃንስ 15:16 | 7 Helpful votes

ኣነ ሐሬኹኹም እምበርንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም

Translation | Context
ኤፌሶን 1:4-5 | 7 Helpful votes

ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውንቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወናንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና

Translation | Context
ገላትያ 1:15 | 5 Helpful votes

እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:48 | 5 Helpful votes

ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሐጐሱንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን አመኑ

Translation | Context
ኤርምያስ 1:4-5 | 5 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢለውሃትትሕትናዓቕሊትዕግስቲ ልበሱ

Translation | Context
ራእይ 13:8 | 4 Helpful votes

እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።

Translation | Context
ማርቆስ 13:20-26 | 4 Helpful votes

እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። ሽዑ ሓደ እኳክርስቶስ ኣብዚ እንሆወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩምኣይትእመኑ። ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም። በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:70 | 4 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩንሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 4 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ራእይ 3:20 | 3 Helpful votes

እንሆኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:4 | 3 Helpful votes

ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውንቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና

Translation | Context
ኤፌሶን 4:1-15 | 3 Helpful votes

ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም አሎኹ። ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎተጋደሉከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታሓንቲ እምነትሓንቲ ጥምቀትእቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ። ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። ስለዚ ኸኣናብ ላዕሊ ምስ ደየበምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሀበይብል። እዚ፤ ደየበ፡ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ። ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ

Translation | Context