Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

christ crucified


ሉቃስ 23:33-43 | 8 Helpful votes

ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም። የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ ርእስኻ ኣድሕንእናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፥ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ። ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። ንየሱስ ከኣ፥ ጐይታይብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒበሎየሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውንብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:11 | 5 Helpful votes

ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን

Translation | Context
ዮሃንስ 18:36 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮምሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:36 | 4 Helpful votes

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:36 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ

Translation | Context
ማርቆስ 15:25-39 | 4 Helpful votes

እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረትንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙሰቐሉ። እቲ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ። እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድእናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ከምኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጽሓፍቲ ንሓድሕዶምንኻልኦት ኣድሐነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልንርኢና ኽንኣምንሲክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ። ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተትብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒኢሉ ጨርሔትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይኣምላኸይንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ፥ እንሆንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ። ሓደ ጐይዩሕደጉኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤኢሉ መጺጽ ብስፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔነፍሱ ኸኣ ወጸትመጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እቲ ኣብ መንጽር ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረአየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:19-25 | 4 Helpful votes

ኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎምሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎምእቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:23-24 | 3 Helpful votes

ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና። ንሱ ነቶም ጽዉዓትንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:18 | 3 Helpful votes

ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:17 | 3 Helpful votes

ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:7-8 | 3 Helpful votes

እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦንእንተ ዚፈልጥዎስንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም

Translation | Context
ሮሜ 10:8 | 3 Helpful votes

እንታይ ደኣ ይብልእቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ።

Translation | Context