Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

23 bible verses about

church growth


ግብሪ ሃዋርያት 2:47 | 13 Helpful votes

ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮምእግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11-12 | 11 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:32 | 7 Helpful votes

ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:11 | 6 Helpful votes

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ

Translation | Context
ማቴዎስ 16:18 | 6 Helpful votes

ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 9:31 | 4 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሀንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዐበየትን ከደት።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 3 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:20-31 | 3 Helpful votes

ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩንሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽምወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩምእናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩእፈልጥ አሎኹ። ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም አሎኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩመንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምእፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም። ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩእናዘከርኩም ንቕሑ

Translation | Context
3:16-5 | 3 Helpful votes

ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩንሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽምወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩምእናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩእፈልጥ አሎኹ። ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም አሎኹ። ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩመንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምእፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም። ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩእናዘከርኩም ንቕሑ

Translation | Context
ቲቶስ 1:5 | 3 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:13 | 3 Helpful votes

ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ

Translation | Context
ገላትያ 5:16-26 | 2 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነመንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩእዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦንእቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ

Translation | Context
መዝሙር 40:3 | 2 Helpful votes

ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:13-19 | 2 Helpful votes

ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩምነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩምከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸልብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገርብብሩር ወይስ ወርቂከም ዘይደሐንኩምትፈልጡ ኢኹም

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:29 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎመባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡ ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:42 | 2 Helpful votes

ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:1-15 | 2 Helpful votes

ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነትብፍቕሪብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃትቤተን ዚኣልያሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶምካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲብንጹህ ትምህርቲብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበርንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኺስልምዎብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ኬርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዚግዝኡዳርግዳርጋ ዘይመልሱብዅሉ ባህ ዜብሉ ኪዀኑ፡ ምዓዶም። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድናኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣናንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕንሓደ እኳ ኣይንዓቕካ

Translation | Context
ሮሜ 16:1-27 | 2 Helpful votes

ንፌቤን ሓብትናእታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም አሎኹ። ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ። ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይጵርስኪላን ኣኪላስንሰላም በሉ። ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዜመስግናኦም እምበር ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ። ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ። ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዓረት ማርያም ሰላም በሉ። ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣትቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ። ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ። ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ። ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሌስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ። ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ። ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ። ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ። ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ። ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ። ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሀሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ አሎኹ። ንሰናይ ብልህታትንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑእደሊ አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም አሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ኣነ ጠርጥዮስነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩብጐይታ ሰላም እብለኩም አሎኹ። እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዚቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም አሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም አለዉ። ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡ ነቲ በይኑ ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-16 | 2 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦዘይሰክርዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡምዘይብኣስፈታው ገንዘብ ዘይኰነነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞምረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩመንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲዘይሐምያጥንቁቓትብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸብመንፈስ ጸደቐንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ

Translation | Context
ቲቶስ 1:3-11 | 2 Helpful votes

ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንኣይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብጊዜኡ ንቓሉ ገለጾናብ ቲቶስብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይምበዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባምቅኑዕቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ። ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኺምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኺከአሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ። ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትን አለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም። ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:14-21 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞእንተ ተጸለልናንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም እምንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ። እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀናኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ማለትኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:22-34 | 2 Helpful votes

ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴናብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑእርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ። እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም። እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ። ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ አመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:5 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት።

Translation | Context