Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ዘካርያስ ወዲ መሸለምያ ሓላው ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ኪዀኑ እተሐርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ዐዓዶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጻሕፉ፡ ንኣታቶም ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣቘምዎም። ንሳቶምን ደቆምን ከኣ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣቢሄር፡ እቲ ናይ ድንኳን ቤት፡ ሓለውቲ ነበሩ። እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲኤን ንፋሳት፡ ብምብራቕ፡ ብምዕራብ፡ ብሰሜን፡ ብደቡብ እዮም ዝነበሩ።
Translation | Contextእቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን።
Translation | Contextይሁዳ ድማ፡ ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከአ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዐዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ። እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይኪፈልጡን ኣይኪርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ። ኮነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዚነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹ፡ ካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና። ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም። ርእየ ድማ ተንሳእኩ፡ ንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ፡ ስለ ዝሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ፡ በልክዎም። ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከአ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ኩላትና ናብቲ መካበብያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና። ኮነ ኸኣ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዐዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሐዙ። እቶም ሓላቑ ኸኣ ብድሕሪ ዅላቶም ቤት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ። እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ። ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕና፡ ኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና አሎና፡ ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተአከቡ፡ ኣምላኽና ምእንታና ኪዋግኣልና ዕዮ፡ በልክዎም። ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዐዮ ነበርና፡ ፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዚወጹ፡ ኩናውቲ ሐዙ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ለይቲ ሓለውቲ ኪኾኑና መዓልቲ ድማ ኪዐዩስ፡ ነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩ፡ በልክዎም። ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዐቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።
Translation | Contextበሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።
Translation | Context