Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextእምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ አሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።
Translation | Contextከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ።
Translation | Contextጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ፡ ኣዘዝዎም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም።
Translation | Contextንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱ፣ ሹድሽተ እመት ዝወውርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ። ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኒተትን፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኺጽምልዎ፣ ኪእከቡ ለኣኸሎም። ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ኣእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኺጽምብልዎስ ተኣከቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ንምስሊ ኸኣ ቘሙ። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፣ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፣ ደሃይ መለኸት እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ክትሰግድሉ፣ ተኣዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለ ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ፣ ኢሉ ኣወጀ። ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ዅሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። በቲ ጊዜ እቲ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ክሰስዎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር መለሱሉ በልዎውን፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፣ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግዱአሉል ነፍሱ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፣ ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ፣ ኢልካ ኣዘዝካ። እምብኣርሲ ዎ ንጉስ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፡ ሲድራቅን ሚሳቅን፡ ዓብድ-ኔጎን፡ ኣለዉ፡ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ውወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፡ በልዎ። ሽዑ ነቡካድነጻር ኰርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኣም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም። ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፡ ኣቱም ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዓብድ-ኔጎ፡ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፡ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፧ ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምንብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም፣ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለወ። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፣ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበቱ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፣ ዎ ነቡክድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን። ዎ ንጉስ፣ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ኼናግፈና ይኽእክ እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ። ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ነኢጎን እምብዛ ተናደደ፣ ትርኢቱ ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተው ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ ኣዘዘ። ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኪኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም፣ ካብቲ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ኣዘዘ። ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐምሾምን ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ኽዳውንቶምን ተኣስሩ፣ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸኣ ተደርበዩ። እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፣ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም። እዞም ሰለሰተ ሰባት እዚኦም፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፣ ብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ወደቑ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፣ ተቐላጢፉውን ተንስኤ፣ ነማኸርቱ ድማ፣ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፣ ርግጽ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፡ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እዃ ኸይተጐድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ፡ ትርኢቱ እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፡ ኢሉውን መለሰ። ድሕርዚ ነቡክዝድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎ፣ ኣቱም ባሮት ኣምላኽ፣ ውጹ፣ ናብዚ ንዑ፣ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ። እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦም፡ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሊ ኸም ዘይነበሮን ረኣዩ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይቃረየን፡ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፡ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን። ነቡካድነጻር ከኣ፣ እቲ ነቶም ባሮቱ መልአኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ ኣበዩ፣ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ፣ ኢሉ መለሰ። ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፣ ስለዚ ኣነ፣ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን - ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ፣ ንሱ ኺስየፍ፣ ቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን፣ እእዝዝ አሎኹ፣ ኢሉ መለሰ። ድህርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።
Translation | Contextንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ እታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጱዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡ ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኽን፡ ኣብቲ ዚሐርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ዀነት ግና ብህይወታ ትንበር። እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈሪሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሐደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን። ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እትሐድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገበርክን፧ በለን። እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሐሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ። ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዪ ኸኣ በርትዔ። ኰነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገበረለን። ሽዑ ፈርኦን ንዅሉ ህዝቢ፡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወተን ሕደግወን፡ ኢሉ ኣዘዘ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡
Translation | Contextእምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።
Translation | Contextንዳርዮስ፣ ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዚዀኑ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ኺሸይም፣ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። እቲ ንጉስ ከይጕዳእሲ፣ እቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ኪህቡዎም፣ ኣብ ሎሊኦም ሰለስተ ኣርኣሰሎም፣ ሓደ ኻብ እዚኣቶም ከኣ ዳንኤል እዩ። ዳንኤል ግና፣ ብሉጽ መንፈስ ሐዲርዎ ነበረ እሞ፣ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፣ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኼርእሶ ሐሰበ። ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኺረክቡሉ ደለዩ፣ ግናኸ እሙን ነበረ፣ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸኣ ሰኣኑሉ እሞ፣ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኺረክቡሉ ከቶ ኣይከኣሉን። ሽዑ እቶም ሰባት፣ ነዚ ዳንኤልሲ፣ ነታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘኰይኑ፣ ካልእ ምክንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፣ በሉ። ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡኡ እሞ ከምዚ ኢሎም በልዎ፣ ዎ ዳርዮስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ኵላቶም ራእስታትን መንግስትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማከርትን ምስሌታትን፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ ኢዝኤን፡ ዎ ንጉስ፡ ናኣኻ እንተ ዘኰይኑ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ፡ ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ፡ ብርቱዕ ክልክል ከኣ ኪእወጅ ሐቢሮም መኸሩ። ዎ ንጉስ፣ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ፣ ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ። ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክል ኣጽንዖ። ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፣ ጸለየን ኣመስገነን። ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡ፣ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ። ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ናኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካን፡ ኢሎን ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ። እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፣ ኣዝዩ ጐሀየ፣ ምእንቲ ኼናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበ፣ ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን፣ ኬድሕኖ ተጋደለ። ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተኣከቡ እሞ፣ ዎ ንጉስ፣ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ክልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፣ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ህጊ ኸም ዘሎ ፍለጥ፣ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘ፣ ንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፣ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ፣ በሎ። ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ኦአጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፣ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ። እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራኡ ኸድ፡ ጸሙ ኸኣ ሐደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ። ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስኤ፣ ቀልጢፉ ኸኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፣ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፣ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፣ እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸኣለ፡ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ። ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፣ ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ፣ ከቶውን ኣይጐድኡንን፣ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሐጐሰ፡ ንዳንኤል ካብቲ ጉድጓድ ኬውጽእዎ ኸኣ አዘዘ። ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን። እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘ፣ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፣ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፣ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፣ ዅሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ። ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሀፈ፣ ሰላም ይብዛሓልኩም። ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፣ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፣ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቀጡን ይህርሁን፣ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ንሱ የናግፍን የድህንን፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ካብ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ። እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ።
Translation | Contextንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
Translation | Contextሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምንብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም፣ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለወ። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፣ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበቱ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብዱ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፣ ዎ ነቡክድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን። ዎ ንጉስ፣ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ኼናግፈና ይኽእክ እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይንምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።
Translation | Contextብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ። እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። ምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሐደግዎም። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።
Translation | Contextዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፣ ጸለየን ኣመስገነን። ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡ፣ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ። ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ናኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካን፡ ኢሎን ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ።
Translation | Context