Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

civil government


ማቴዎስ 26:52-54 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ

Translation | Context
ዘጸአት 22:1-31 | 2 Helpful votes

ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሐረደ ወይ እንተ ሸጠ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉንጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም አለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥእቲ ዝሰረቖብዕራይ ኰነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበካዕበት ገይሩ ይኽፈልሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ እንተ ሐደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሐስሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይዕጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሐስሰብገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ፡ ጐረቤት ኺሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበካዕበት ገይሩ ይኽሐስእቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል። ብዝዀነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። እቲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሐሶሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ፡ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሐስ። ካብኡ እንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተክኣሉ። ኣራዊት እንተ በትበቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪዀኖ የምጽኣዮተኽኣ ግና ኣይሀብሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተካሕሳ ይኽሐሶእቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና፡ ኣይኽሐስተኻርዩ እንተ ዀነ፡ ብኽራዩ አትዩ እዩ። ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማኣቦኣኣይህበካንኢሉ እንተ ኸልኦከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈልንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ። ምስ እስስሳ ዚድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት። ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎምእንተ ገፋዕካዮምእሞ ኣባይ እንተ ጠርዑጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታትደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ። ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖክዳን ብጻይካ ታሕዚ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ። እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ። ንኣምላኽ ኣይትጽረፍንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ። ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን ድማ ከምኡ ግበርሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒቅዱሳት ሰባት ትዀኑኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሐዞ ስጋ ኣይትብልዑነኽላባት ደርብይዎ

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 2 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:1-26 | 2 Helpful votes

ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰትንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለትደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደትኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤእግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየንቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየገጹ ድማ ጸለመእግዚኣብሄር ከኣ ንቃየልስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ። ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦቀተሎ ድማእግዚኣብሄር ከኣ ንቃየልኣቤል ሓውካኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎበደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰትንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወስም እታ ሓንቲ ዓዳስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ። ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ። ላሜክ ድማ ነንስቱ በለንዓዳን ጺላንቃለይ ስምዓኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበትኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደትኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።

Translation | Context