Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።
Translation | Contextኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Translation | Contextማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።
Translation | Contextኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ። ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ናባይ ንዑ፡ ስምዑ፡ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፡ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን፡ ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ። እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ። እንሆ፡ ንዘይትፈልጣ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፡ ዘይፈለጠካ ህዝቢ ድማ፡ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ምእንቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፡ ንሱ ኣኽቢሩካ እዩ እሞ፡ ናባኻ ኺጐዪ እዩ። ንእግዚኣብሄር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ። ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለሱ፡ ንሱ ኸኣ ኪምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ። ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቊልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘርኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ። ብሓጐስ ክትወጹ፡ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ኪብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ኬጣቕዑልኩም እዮም። ኣብ ክንዲ እሾዂስ ጽሕዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምዔ ድማ ጸጾ ኺበቊል እዩ፡ እዚውን ንእግዚኣብሄር ስምን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextእቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
Translation | Contextእቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።
Translation | Contextብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ።
Translation | Context