Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
Translation | Contextብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡ ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረ፡ ከምእውን ንሰብ ዝመሀረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ። ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። ንሰበይቱ ዚፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባ፡ ተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ። ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስካ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኪማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። ንዝለመነካ ሀቦ፡ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ። ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።
Translation | Contextበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
Translation | Contextአብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።
Translation | Contextመንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና። እቲ ልቢ ዚምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextእቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextነቲ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር። ቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ። ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፣ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየግለስኩን።
Translation | Contextንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።
Translation | Contextከምቲ ንባርያኻ ዝበልካዮ ቓል፣ ጸጋኻ መጸናንዒ ይኹነኒ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ረዲእካንን ኣጸናኒዕካንን ኢኻ እሞ፣ ጸላእተይ ርእዮም ኪሐፍሩስ፣ ምልክት ደሓን ግበረለይ።
Translation | Contextቃልካ ህያው ገይሩኒ እዩ እሞ፣ እዚ ኣብ መከራይ መጸናንዕየይ እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣጸናንዔ፡ ንሽጉራቱውን ኪምሕሮም እዩ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ተሐጐሲ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ እልል እናበልኩም ጨድሩ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ ኤፍቅረካ እየ። እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ። ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ ጸላእተይ ደሐንኩ። መአሰር ሞት ከቢቡኒ፣ ወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ፣ መአሰር ሲኦል ከቢቡኒ፣ መፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ። ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፣ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፣ ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ። ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንቀጥቀጡ። ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ። ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ። ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፣ ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ። ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡ፣ ጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ። ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን በረድን ጓህሪ ሓውን ሐለፈ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ። እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዔ። ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፣ መባርቅ ኣብዚሑ ኣህደሞም። ብተግሳጽካ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ መዓሙቚ ማያት ተራእዩ እሞ፣ መሰረታት ዓለም ተቐልዔ። ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሐዘኒ፣ ስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ። እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንን፣ ሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካብኦም ኣናገፈኒ። ብመዓልቲ መከራይ ሐደጋ ወደቑኒ፣ እግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ። ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽአኒ፣ ብሂጉኒ እዩ እሞ፣ ኣናገፈኒ። ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ። ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ተሐልየ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ። ንስኻ ነቲ ዚስቀ ሰብ ተድሕኖ፣ ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ። ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ። ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፣ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ። መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ። ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፧ እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፣ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቚመኒ፣ ንሱ ነእዳወይ ውግእ፣ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ። ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፣ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ። ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ። ንጸላእተይ ሰጒጐዮምን ኣርኪበዮምን፣ ከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን። ወቒዔዮምሲ ኺትንስኡ ኣይተኻእሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም። ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፣ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም። ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፣ ንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም። ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን። ከምቲ ንንፋስ ዚውፈ ሓመድ ደቚሰዮም፣ ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም። ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፣ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፣ ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ፣ ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ። ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮም፣ እናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም። እግዚኣብሄር ህያው እዩ፣ ከውሔይ ብሩኽ ይኹን፣ ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል። እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፣ ነህዛብውን ዜግዝአለይ፣ ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትበልሃኒ ንስኻ ኢኻ። ስለዚ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ንስምካውን ክዝምረሉ እየ። ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፣ ንቕቡኡ፣ ንዳዊት፣ ንዘርኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቊጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ አሎኹ።
Translation | Contextኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዚሐልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ፧
Translation | Contextንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረአየ፡ ነፍሱ ምእንቲ ኼድሕን ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሐደጎ። ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይአኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ። እንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እምኒ እትሰንከተ ቕጫን ሳር ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ አሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሐደረ። እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፡ በሎ።
Translation | Context