Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

24 bible verses about

committing adultery


ማቴዎስ 5:27-28 | 14 Helpful votes

ነቶም ቀዳሞትኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎምሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:18 | 8 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:10 | 6 Helpful votes

ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወእቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ

Translation | Context
ገላትያ 5:19 | 5 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳን

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 5 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 5 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:28 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:9 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 6:32 | 4 Helpful votes

እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉንንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 4 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
እብራውያን 10:26 | 4 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብናፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበርደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:11 | 3 Helpful votes

ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2 | 3 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 3 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 3 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 6:24 | 3 Helpful votes

ካብታ እክይቲ ሰበይቲካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካይመርሓካበጥ እንተ በልካይሕልወካእንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 3 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮምሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ማርቆስ 10:2 | 2 Helpful votes

ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦምሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ

Translation | Context
ማርቆስ 10:11-12 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ ኣብኣ ዘመወእታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:15 | 2 Helpful votes

ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:3-9 | 2 Helpful votes

ፈሪሳውያን ድማሰባኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹመሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦምኪፈትሕዋ ኣዘዘበልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 7:1-25 | 2 Helpful votes

ወይስ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ሕጊ ዚፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዚመልኮዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሰበይቲሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነትዘማዊት እያ እትብሀል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። ኣሕዋተየከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽትፈሪንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎናንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ ነበረ። ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊዴል ዘይኰነስብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነእንተ ዘይብልሲንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሐተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎእምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒያእ ኣይፋሉንሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዜምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ኪኸውን እዩ። ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር አሎኹ። ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። ፍቓድሲ አሎኒምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ አሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዜልቦእፈልጥ አሎኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧ ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:1-11 | 2 Helpful votes

የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦምኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ መምህርእዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና አሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉእዚ ኢሎም ፈተንዎየሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላበሎምከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሐፈንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹየሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈየሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ምስ ረአየ፡ ኣቲ ሰበይቲእቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ አለዉዝፈርደኪዶ የልቦንበላ። ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳጐይታይበለቶየሱስ ድማኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ

Translation | Context