Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።
Translation | Contextኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዚቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዚጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዚወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።
Translation | Contextሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኵሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡ ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ። ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡ ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስ፡ ኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።
Translation | Contextብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።
Translation | Contextእቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ።
Translation | Contextንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Contextእንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Contextበሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።
Translation | Contextሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን።
Translation | Contextእንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።
Translation | Contextብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪኰኑ እዮም።
Translation | Contextኵሉ ጻዕርን ኵሉ ምስላጥ ዕዮን ከአ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
Translation | Contextቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
Translation | Context