Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

conceiving a baby


መዝሙር 127:3 | 15 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 23:26 | 9 Helpful votes

ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 7:14 | 7 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎም

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:9 | 5 Helpful votes

ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪ

Translation | Context
ዮሃንስ 1:3 | 4 Helpful votes

ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን

Translation | Context
መዝሙር 128:1-4 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ዚፈርህብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:17 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።

Translation | Context
ሚልክያስ 2:15 | 3 Helpful votes

ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ፧ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ገበሮ፧ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:25 | 3 Helpful votes

ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:8 | 3 Helpful votes

ሳዕሪ ይነቅጽዕምባባ ይቕምስልቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር

Translation | Context
ማቴዎስ 5:18 | 3 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸምካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍብሓቂ ይብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:26-37 | 3 Helpful votes

ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። እቲ መልኣኽ ናብኣ አትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋእግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺበላ። ንሳ ምስ ረአየቶበቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት። እቲ መልኣኽ ከኣ በላማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂእንሆክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውንወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱመንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ። እንሆኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 38:1-30 | 3 Helpful votes

በቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወይሁዳ ኣብኡ ጓል ሱዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረአየወሲዱ ኸኣ ኣተዋንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ። ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ። ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደትስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ። ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝምበሎኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎእቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ። ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠትድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተትይሁዳ ምስ ተጸናንዔ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዚቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ አሎ ኢሎም ነገርዋ። ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረአየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠትይሁዳ ምስ ረአያገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ። ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱበጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒበለቶ። ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪበላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪበለቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻንበለትሀባ እሞ አተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰትተንሲኣ ኸኣ ከደትመጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነትይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላኢሉ ሐተተኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትንበሉ። ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶበለ። ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳታማርሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድበለምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለትይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎንወደይ ሼላ ካብ ዘይሀብክዋስካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን። ኰነ ኸኣ፡ ብጊዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ። ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኤእታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉኰነ ድማንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለትስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ

Translation | Context