Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

conception


ኤርምያስ 1:5 | 9 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 7 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒመስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:22 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:21 | 6 Helpful votes

ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነእግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት

Translation | Context
ዘጸአት 23:26 | 4 Helpful votes

ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:37 | 4 Helpful votes

እንሆኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
መዝሙር 113:9 | 4 Helpful votes

ንመኻንአደ ቘልዑ ገይሩ፣ ኣብ ቤት ብሓጐስ የንብራሃሌሉያ

Translation | Context
ዘዳግም 7:14 | 3 Helpful votes

ሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን።

Translation | Context
መዝሙር 127:3-5 | 3 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
መሳፍንቲ 13:3-24 | 3 Helpful votes

መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ፡ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኹ። እምበኣር ሕጂ ወይንን ዜስክርን ከይትሰትዪ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተጠንቀቒ። እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ። ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝዀነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን። ግናኸ፡ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወድልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩስ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዪርዅስ ዘበለውን ኣይትብልዒበለኒ ኢላ ተዛረበቶ። ማኖኣ ድማ ንእግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስበጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዐበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎ። ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመስርዓት እቲ ቘልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ፧ በለ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትጠንቀቕ። ካብ ኦም ወይኒ ዚወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕወይንን ዜስክርን ከኣ ኣይትስተርዅስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዝአዘዝክዋ ዅሉ ትሐሉ፡ በሎ። ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄርማሕስእ ኣብ ቅድሜኻ ኸነዳልወልካስ፡ በጃኻ ኸነጽንሓካበሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖኣ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን እየ። ዚሐርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉበሎ። ማኖኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኸነኽብረካስስምካ መን እዩ፧ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይከ ስመይ እትሐትት፧ ንሱ መንክር እዩ፡ በሎማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰበይቱን እናረአዩ ተኣምራት ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ኪድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበማኖኣን ሰበይቱን እዚ ምስ ረአዩብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖእን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠማኖኣ ድማ ንሰበይቱንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ። እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ኪቐትለና እንተ ዚደልስዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናንበለቶ። እታ ስበይቲ ወዲ ወለደትስሙ ኸኣ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቈልዓ ድማ ዐበየእግዚኣብሄርውን ባረኾ

Translation | Context
ሉቃስ 1:31-35 | 3 Helpful votes

እንሆክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውንወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ። እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱመንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎም

Translation | Context
ሉቃስ 1:36 | 3 Helpful votes

እንሆኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 21:1 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ

Translation | Context
መዝሙር 92:12-14 | 3 Helpful votes

ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑእግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስብእርግናኦም ድማ ይፈርዩይውረዩን ይልምዑን። እግዚኣብሄር ከውሔይ እዩ፣ አብኡውን ዓመጻ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:19 | 2 Helpful votes

ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣእግዚኣብሄርውን ዘከራ

Translation | Context
ሉቃስ 1:25 | 2 Helpful votes

ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረአየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ንፍሳ ሐብኤት

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:20 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ

Translation | Context
ሉቃስ 1:24 | 2 Helpful votes

ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረአየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ንፍሳ ሐብኤት

Translation | Context