Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

confidence


ምሳሌ 3:26 | 16 Helpful votes

እግዚኣብሄር እምንቶኻ ኪኸውንኣእጋርካ ኸይፍንጠራ ኸኣ ኪሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዚመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 7 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 3:5 | 6 Helpful votes

ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሐስብ ኣይከኣለናን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:20-21 | 5 Helpful votes

ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈናኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና

Translation | Context
ሮሜ 15:13 | 4 Helpful votes

ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 4 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
እብራውያን 13:6 | 4 Helpful votes

ስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:18 | 3 Helpful votes

ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:22 | 3 Helpful votes

ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።

Translation | Context
ምሳሌ 28:26 | 2 Helpful votes

ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ

Translation | Context
መዝሙር 20:7 | 2 Helpful votes

ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።

Translation | Context
ያእቆብ 4:13-15 | 2 Helpful votes

እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበርክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ

Translation | Context
መዝሙር 27:1-3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህእግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧ ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ። ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍርልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒእምነት አሎኒ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም

Translation | Context