Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
Translation | Contextእንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣካትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ኪዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይክብደልኩምን እየ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።
Translation | Contextእቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን።
Translation | Contextእቲ ንቤት ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን።
Translation | Contextንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ። ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ። ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።
Translation | Contextሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
Translation | Contextቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
Translation | Contextእታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር።
Translation | Context