Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

corporate prayer


ማቴዎስ 18:19-20 | 12 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:42 | 10 Helpful votes

ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:14 | 10 Helpful votes

እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:5-18 | 7 Helpful votes

ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሐሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲጴጥሮስ ብኽልተ ሞቚሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ። እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩቀልጢፍካ ተንስእኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዐጠቕኣሳእንካውን ኣእቱበሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዐበኒ፡ በሎ። ንሱውን ወጺኡ ሰዐቦ። ግናኸ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዐለን። ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዚሕልዉ ምስ ሐለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑባዕሉውን ተኸፍተሎምወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሐለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሐነኒብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩበለ። ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያምኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሀል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት። ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየትብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውንበሉጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረአይዎ እሞ ተገረሙ። ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶምእግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎምበሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። ምስ ወግሔ፡ እቶም ዓቀይቲንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:11 | 5 Helpful votes

ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና አሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኼመስግኑ እዮም።

Translation | Context
ዮኤል 1:14 | 5 Helpful votes

ጾም ቀድሱኣኼባ ጸውዑንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ

Translation | Context
ነህምያ 9:1-38 | 4 Helpful votes

ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲደቂ እስራኤል ከሊ ተኸዲኖምሓምድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ብጾም ተኣከቡዘርኢ እስራኤል ካብ ኲሎም ደቂ ጓኖት ተፈልዩደው ኢሎም ከአ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ። ኣብታ ስፍራኣኦም ኰይኖም ደው ኢሎምራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከአ ሰገዱሉእያሱባኒቃድሚኤልሸባንያቡኒሸረብያ፡ ባኒ፡ ከናኒ ኾይኖም ከአ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፍጸፍ ሌዋውያን ደው በሉብብርቱዕ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ጨርሑእቶም ሌዋውያን ከአ፡ እያሱቃድሚኤልባኒሓሻብንያሸረብያሆዲያሸባንያፈታሕያ ኾይኖም፡ ከምዚ በሉተንሲኡንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለአለም ክሳዕ ዘለአለም ባርኹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ በረኸትን ምስጋናን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ። ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱንምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ። ኣታ ንኣብራም ዝሓሬኻካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ። ልቡን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነአናውያንሔታውያንኣሞራውያንፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጌርጌሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኺዳን ኣቶኻንስኻ ጻድቕ ስለ ዝኾንካ ኸኣ፡ ነቲ ቓልካ ኣቖምካዮ። ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካኣብ ፈርኦንን ኣብ ኲሎም ገላውኡን ኣብ ኵሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ትኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ። ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሜኦም መቐልካዮብማእከል ባሕሪ ኸኣ ብንቑጽ ሐለፉ። ነቶም ዚስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቕ ደርቤኻዮምኣብቲ ዚኸድዎ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃሎምመዓልቲ ብዓንዲ ደበናለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም። ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸኣ ወረድካካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮምቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከአ ሀብካዮምእታ ቅድስቲ ሰንበትካ ድማ ኣፍለጥካዮምትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ከአ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮምንጥሜቶም ድማ ካብ ሰማይ እንጌራ ሀብካዮምንጽምኣቶምውን ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም። እታ ንኣታቶም ክትህቦም ኢድካ ዝዘርጋሕካላ ምድሪ ምእንቲ ኺወርስዋ ድማ ናብኣ ኺአትው ተዛረብካዮምንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዐበዩክሳዶም ድማ ኣትረሩንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑንምስማዕ አበዩ፡ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራት ከአ ኣይዘከሩንክሳውዶም ደኣ ኣትረሩ፡ ብዕልወቶም ናብታ ባርነቶም ኪምለሱሓለቓ ሸሙንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሓርን ኢኻ፡ ንዂራ ደንጓዪብዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ኣይሐደግካዮምንፍሰሲ ብተይ ገይሮምሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካ ኣምላኽካ እዚ እዩ፡ ምስ በሉኣዝዮም ኣኾረዩኻንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምንብመዓልቲ ንምምራሕ መገዶም ዓንዲ ደበናብለይቲ ዚኸዱላ መገዲ ኼብርሃሎም ከአ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣይረሓቑን። ዜስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሀብካዮምማናኻ ኸኣ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካንንጽምኣቶም ድማ ማይ ሀብካዮምኣብ በረኻውን ገለ ኸየጉደልካኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣየእረጉንኣእጋሮም ድማ ኣይሓበጠንመንግስትታት ህዝብታትን ከአ ሀብካዮምግደ ጌርካ ድማ ከፈልካዮም እሞ ምድሪ ሲሆን፡ እታ ሃገር ንጉስ ሔሽቦንን ሃገር ዖግ ንጉስ ባሳንን ወረሱንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕካዮምናብታ ነቦታቶም ከአትውዋን ኪወርስዋን ዝበልካዮም ምድሪ ድማ ኣእቶኻዮምእቶም ደቂ ኸኣ ኣተውዋ እሞ ነታ ሀገር ወረስዋነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ከነኣናውያን ናብ ቅድሚኦም ኣጥቃዕካዮም። ድማ ንነገስታቶምን ንህዝብታት እታ ሃገርን ዝደለዩ ኺገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮምእተዐርዳ ኸተማታትን ረጉድ ምድርን ከአ ሐዙኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልአ ኣባይትን እተኻዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዩ ኣእዋሞን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዩ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ስብሑን ተሓጎሱንንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮኑን ካባኻ ዐለውንንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደረበይዎ። ነቶም ናባኻ ኺምለሱ ዝመዐድዎም ነብያትካ ቐተልዎም፡ ንኣኻውን ኣዝዮም ጸረፉኻ። ስለዚ ናብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ኣጨነቕዎም። ብጊዜ ጸበቦኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ፡ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዜድሕንዎም መድሓንቲ ሀብካዮምዕረፍቲ ምስ ኮነሎም ግና ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሀብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከአ ኣባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካከም ምሕረትካ ኸኣ ብዙሕ ሳዕ ኣድሓንካዮም። ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዐድካዮምንሳቶም ግና ተዐበዩንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑንነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ዚድሕነሉፍርድታትካውን በደሉመንኵቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከአ ኣይሰምዑንብዙሕ ዓመታት ድማ ተዐገስካዮምነብያትካ ጌርካ ኸኣ ብመንፈስካ መዐድካዮምኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካንሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሀብካዮምግናኸ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ ፈጺምካ ኣይወዳእካዮምን ኣይሓደግካዮምንሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና ኪዳንን ምሕረትን ኣትሕሉዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ዀይኑ ኣይረኤኻ። ንስኻስ በቲ ኣባና ዝመጻ ዅሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሓና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ። ነገስታትናን ሓላቑናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይገብሩንንትእዛዛካን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከርካዮ ምስክርካን ኣይሐለውንኣብታ መንግስቶምን ኣብቲ ብብዙሕ ለውሃትካ ዝሀብካዮምን ኣብታ ኣብ ቅድሚኦም ዝሀብካዮም ገፋሕን ረጓድን ምድርን ኣየገልገሉኻንኻብቲ ኽፉእ ግብሮምውን ኣይተመለሱንእንሆ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ኪበልዑ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪእንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ዃንና አሎና። እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነግስታት ተብዝሓሎም አላ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን እንስሳናን ከም ዝደለዮ ይገዝኡ ኣለውንሕና ኸኣ ኣብ ዓብዩ ጸበባ ኢና ዘሎና። በዚ ዅሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሐፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከአ ሐተምዎ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31 | 4 Helpful votes

እዚ ምስ ሰምዑብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑህዝብስ ከንቱ ሐሰቡነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ እቲ ኢድካን ምኽርኻን ኪኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኺገብሩብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውንኢድካ ዘርግሕንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም። ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸትኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ

Translation | Context
ገላትያ 6:2 | 3 Helpful votes

ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 1:1-12 | 3 Helpful votes

ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። ኣቱም ኣሕዋትናእምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዓዘዘትቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነምስግኖ ግቡእና እዩ። እምብኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዅሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና፡ ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዜጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኺፈዲብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝአመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ እዮም። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስንስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኪኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ኪቘጽረኩምብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን አሎና።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 3 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎምምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ዮናስ 3:1-10 | 2 Helpful votes

ንዮናስተንስእ፣ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማኪድ፣ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ ኣውጀላ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፣ ናብ ነነዌውን ከደነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማመገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ፡ ኢሉ ኣወጀሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ አመኑጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተከድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ተኣወጀሰብ ወይስ እንስሳ፡ መጓ ኸብቲ ወይስ መጓ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማኣይውፈራማይውን ኣይስተያሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፣ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፣ መን ይፈልጥኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱግብሮም ረአየኣምላኽውን ነቲ ኼውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገብሮን ከኣ።

Translation | Context
ዳንኤል 9:3-21 | 2 Helpful votes

ብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ለመንኩን ተናዘዝኩን ጐይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንህና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፣ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና። ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምንጐይታየ፣ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፣ ንኣና ግና፣ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ባኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ዅሎም እስራኤል፣ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ። እወ፣ ጐይታየበዲልናካ ኢና እሞ፣ ንኣና፣ ንነገስታትናንመሳፍንትናነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ። ንሕና ኻብኡ ዐሊና ኢና እሞ፣ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዮ። ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን። ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰደሃይካ ኸይሰምዕ ኣግለሰበዲልናዮ ኢና እሞ፣ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና። ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፣ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከቶ ኸምኡ ዀይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዚፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ። ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፣ እዚ ዅሉ መዓት ወረደና ግናኸ ኣብ ኣበሳና ኽንምለስ፣ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደሌናን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ግብሩ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ። ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽናንህዝብኻ ኻብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፣ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፣ ንሕና ኣበሳናእኩይ ገበርና። ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶ ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ኰይኖም እዮም እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፣ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፣ እታ ቅድስቲ ደብርኻከተምልስ እልምነካ አሎኹ። ዎ ኣምላኽና፣ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፣ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ። እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፣ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፣ ዎ ኣምላኸይእዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፣ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምትጐይታየስማዕ፣ ጐይታየ፣ ይቕረ በል፣ ጐይታየ ኣድህብከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፣ ኣምላኸየ፣ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበርኣይትደንጕክዛረብ፣ ክጽሊ፣ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፣ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፣ ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፣ ገብርኤል፣ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ

Translation | Context
ኢሳይያስ 56:7 | 2 Helpful votes

ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዮኤል 2:15 | 2 Helpful votes

ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑጾም ቀድሱኣኼባ ጸውዑ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:5-6 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻናብ ቤትካ እቶማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 12:12-17 | 2 Helpful votes

ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዐለ፡ ናብ ቤት ማርያምኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሀል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት። ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየትብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውንበሉጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረአይዎ እሞ ተገረሙ። ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶምእግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎምበሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ

Translation | Context
መሳፍንቲ 20:26 | 2 Helpful votes

ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም በኸዩበታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ጾሙዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ

Translation | Context
ኣስቴር 4:16 | 2 Helpful votes

ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክአቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ

Translation | Context