Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

corruption


2ይ ጴጥሮስ 2:19 | 18 Helpful votes

እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም አለዉ።

Translation | Context
ገላትያ 6:8 | 8 Helpful votes

እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:4 | 5 Helpful votes

ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩምተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:13-15 | 4 Helpful votes

ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶትዚጥብሩ ዓየይቲርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉዓብዪ ነገር ኣይኰነንመወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:21 | 4 Helpful votes

እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 2:2 | 3 Helpful votes

ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻንነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካንነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምንእፈልጥ አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 3 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:34-37 | 3 Helpful votes

ከም ብሓድሽ ናብ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ። ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ። ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዐረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረአየ። እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረአየን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:27 | 3 Helpful votes

ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
መዝሙር 16:10 | 2 Helpful votes

ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋንቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስክብረይ እልል ይብልስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:25-29 | 2 Helpful votes

ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ሌዋውያን ከምዚ ኢሉ አዘዞም፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ውሰዱ እሞ ኣብ ጎቦ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፡ ኣብኡ ዀይኑ ንምስክር ይኹንካ። ኣነ ዕልወትካን ትሪ ኽሳድካን እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣነ ገና ብህይወት ምሳኻትኩም ከሎኹ እኳ፡ ንእግዚኣብሄር ዝዐሎኹምዎስድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ኺገድድ እዩ። ሕጂ ኸኣ ዓበይቲ ነገዳትኩምን መኳንንትኹምን ኣክቡለይእዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦምሰማይን ምድርን ከኣ ከመስክረሎም እየ። ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ንርእስኹም ከም እተባላሽዉ፡ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ድማ ከም እተግልሱ፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተዀርይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ ዝገበርኩምንዳሕራይ ዘበን ሕሱም ነገር ኪረኽበኩም እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 8:8 | 2 Helpful votes

ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም፡ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና አሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፧ ግናኸ እንሆ፡ ናይ ጸሓፍቲ ብርዒ ሓሶትሲ ናብ ሓሶት ገልቢጥዋ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:15 | 2 Helpful votes

ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ

Translation | Context