Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፣ ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ኣመስግንዎ። ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እስራኤል ይበል። ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ ቤት ኣሮን ይበል። ምሕረቱ ንዘለአለም ከም ዚነብር፣ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርህዎ ይበሉ። አብ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፣ እግዚኣብሄር መለሰለይ ኣርሐበለይ ድማ። እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን፣ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ እግዚኣብሄር ምሳይ እዩ፣ ረዳእየይ እዩ፣ ኣብ ጸላእተይ ትምኒተይ ክርኢ እየ። ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ካብ ኣብ መሳፍንቲ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይስ። ኵሎም ኣህዛብ ከበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከበቡኒ፣ እወ ኸበቡኒ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከም ንህቢ ከበቡኒ፣ ከም ሓዊ ቘጥቋጥ ጠፍኡ፣ ብስም እግዚኣብሄር ክቘርጾም እየ። ከተውድቐኒ ኢልካ ኣዚኻ ደፋእካኒ እግዚኣብሄር፣ ግና ረድኣኒ። ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ። ኣብ ድንኳናት ጻድቃን ድምጺ እልልታን ምድሓንን አሎ፣ የማነይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር። የማነይቲ እግዚኣብሄር ልዕል ትብል፣ የማነይቲ እግዚኣብሄር ሓይሊ ትገብር አላ። ብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ። እግዚኣብሄር ኣዝዩ ቐጽዓኒ፣ ንሞት ግና ኣይወፈየንን።
Translation | Contextነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣ ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ። እግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴ፣ ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ። እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ። [ሴላ።]
Translation | Context