Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።
Translation | Contextእቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር። ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።
Translation | Contextድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧
Translation | Contextስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ መን ኢኺ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ፡ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ፡ በለት። ንሱ ኸኣ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ። ሕጂ ድማ ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ኹላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ዅሉ ኽገብረልኪ እየ። ሕጂ ኸኣ ኣነ ወራሲ ምኻነይሲ ሓቂ እዩ፡ ግናኸ ካባይ ዝቐርብ ወራሲ አሎ። ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ንሱ እንተ ወረሰኪ ጽቡቕ፡ ይውረስ። ኪወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣነ ኽወርሰኪ እየ። ክሳዕ ዚወግሕ ደቅሲ።
Translation | Contextካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ። የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካ።
Translation | Contextስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።
Translation | Contextካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።
Translation | Contextከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም ዜብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ አሎና። ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።
Translation | Contextስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።
Translation | Contextእቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሃብናኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጕሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን አሎና። ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኹምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ።
Translation | Contextኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ። ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱ፡ ኣዛዝ ኵሉ ገንዘቡ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር። ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ምድርን ኤምሕለካ አሎኹ። ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ፡ በሎ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዘይፈተወትከ፡ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻእካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ፧ በሎ። ኣብርሃም ድማ፡ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ። እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተወለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ንሱ ኸኣ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህባ እየ፡ ኢሉ እተዛረበንን፡ ዝመሐለለይን፡ ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ኽትስዕብ እንተ ዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለሶ፡ በሎ። እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኸኣ መሓለሉ። እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዘዝጸበቐ ዘበለ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተበገሰ፡ ተንሲኡ ድማ ናብ መሶጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ። ኣጋ ምሸት፡ በታ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ጊዜ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኸን። በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ዀታ ኣገባግበለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር። እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ ኣለዋ። ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ፡ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ፡ ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ። ኰነ ኸኣ፡ ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ፡ እንሃ፡ ርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ንሆር ሓዉ ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት። እታ ጓል ድማ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። እቲ ግዙእ ድማ ጐይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በለ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስተ፡ ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ ነግማልካውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ፡ በለት። ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት፡ ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን። እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀነ ወይስ እንተዘይኰነ ኺፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኵሩ ይጥምታ ነበረ። ኰነ ኸኣ፡ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፈረቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ፡ ጓል መን ኢኺ፧ በጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፧ ድማ በለ። ንሳ ኸኣ፡ ኣነ ጓል ቤቱኤል፡ ወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡ እየ፡ በለቶ። መሊሳ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፡ ንመሕደሪ ኸኣ ስፍራ አሎና፡ በለቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። በለ ኸኣ፡ እቲ፡ ምሕረቱን እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ። እታ ጓል ከኣ ጐይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት። ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጐየየ። ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ቀለቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረአየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ። ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ፡ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ አሎኹ፡ ነግማልካ ኸኣ ሰፈር፡ እቶ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን፡ ሓሰርን ድርቋን ከኣ ሀበን፡ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሀቦም። መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና፡ ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በለ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾን ኣዕበዮን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅን፡ ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ አሎ። ሳራ፡ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፡ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኸኣ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ አሎ። ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፡ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጽኣሉ። ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። ሽዑ ኸኣ እነ ንጐይታይ፥ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸ፧ በልክዎ። ንሱ ድማ በለኒ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማላለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መገድኻ ኬቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ፡ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሀቡኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ትኸውን ኢኻ። ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺኤ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘሎኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ማይ ክትቀድሕ እትወጽእ ጓል፡ ኣነ ኸኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ዀታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ፡ ንሳ ድማ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ሰበይቲ ትኹን። ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይወዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ፡ ወጸት፡ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኸኣ፡ ኣስትይኒ ዀታ፡ በልክዋ። ቀልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኩባ ኣውሪዳ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ፡ በለት። ኣነ ሰቴኹ፡ ነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን። ኣነ ኸኣ፡ ኣቲ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኢለ ሐተትክዋ። ንሳ ኸኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ፡ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ደኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ። ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ። ሕጂ ኸኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብሩሉ እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ። እንተዘይኰነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ፡ ንገሩኒ። ሽዑ ላባንን ቤቱኤልን፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ፡ ክፉእ ሓደው ጽቡቕ ክንዛረበካ ኣይንኽእልን። እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ አላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዔ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ድሕርዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሀባ። ንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሀቦም። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ፡ በለ። ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ፡ ድሕሪኡ ትኺድ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይተደናጕዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ፡ በሎም። ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሐትት፡ ከኣ በሉ። ንርብቃ ጸዊዕም ድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ፧ በልዋ። ንሳ ድማ፡ እኸይድ፡ በለት። ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምን፡ ንመጕዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም። ንሳቶም ንርብቃ፡ ኣቲ ሓብትና፡ ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፡ ዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስ፡ ኢሎም መረቕዋ። ርብቃ ኸኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሔን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይመጽእ ነበረ። ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ፡ ኣግማል ኪመጻ ረአየ። ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ፡ ንይስሃቅ ምስ ረአየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ገመል ወረደት። ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ፡ በለ። ሽዑ መጐልበቢኣ ወሲዳ ተጐልበበት። እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ነገር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ።
Translation | Contextወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ።
Translation | Context