Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

covenant of grace


እብራውያን 9:15 | 2 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:31-34 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎይብል እግዚኣብሄርድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉንእግዚኣብሄር ፍለጦኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዘፍጥረት 15:1-21 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ እዩ። ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ አሎኹ፡ ወራስ ቤተይ ዚኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛርበዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧ በለኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይሀብካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ፡ በለእንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምትምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ በሎብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ። ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኸኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቘረጾነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን። ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረጸሓይ ክትዓርብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኸኣ ናይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ። ንኣብራም ድማ በሎንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎምኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዜጨንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ። ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ። ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጹ እዮም። ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፡ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ። ዓመጽ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሕጂ ኣይመልኤን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም። ኰነ ድማ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበትግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ እንሆ ድማ ዚተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቘረርጽ ሐለፈ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወእዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንንሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንንኣሞራውያንንከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ።

Translation | Context