Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

cremation


ዘፍጥረት 3:19 | 26 Helpful votes

ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስእንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 31:12 | 21 Helpful votes

ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ተንሲኦም መላእ ለይቲ ግስግስ ሐዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ መጺኦም ከኣ ኣብኡ ኣንደድዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:3 | 14 Helpful votes

ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።

Translation | Context
እያሱ 7:25 | 8 Helpful votes

እያሱ ድማ፡ ስለምንታይ ኣሸገርካናበለኵሉ እስራኤል ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፡ ብዳርባ እምኒ ቐቲሎም ከኣ ብሓዊ ኣንደድዎም

Translation | Context
ኣሞጽ 2:1 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ነዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም፣ ሓመዅስቲ ኽሳዕ ዚኸውን፣ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ሞኣብ፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዕተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:1-5 | 8 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ አሎና። ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሐጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱከቢዱና ነስቈርቍር አሎና። ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወናዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሃበናኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:21 | 4 Helpful votes

ንሱ በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከአሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ እዩ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 16:13-14 | 3 Helpful votes

ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ፡ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደ ዓመት መንግስቱ ሞተ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንርእሱ ዘውቀሮ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ብብልሓት ገባር ሽቱ እተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን በበይኑ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልኤት ዓራት ድማ ኣንበርዎ፡ ዓብዪ ምሕራር ከኣ ኣሕረሩሉ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 23:17-24 | 3 Helpful votes

ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩበለእቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤት-ኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎንሱ ኸኣሕደግዎገለ እኳ ነዕጽምቱ ኣየነቓንቆ። ስለዚ እቲ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ተረፈ። ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፡ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኲለን ኣባይቲ በረኽቲ ድማ ዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ከምቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብርታት ገበረን። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ። እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለዉ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ ኢሉ ኣዘዞም። ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን። እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣደዶ

Translation | Context