Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

criticism


ማቴዎስ 7:1-5 | 17 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ

Translation | Context
ምሳሌ 15:1-2 | 8 Helpful votes

ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕልልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል

Translation | Context
መክብብ 5:2 | 7 Helpful votes

ሕልሚ ብምዛሕ ጉዳይ እዩ ዝመጽእድምጺ ዓሻ ኸኣ ብምብዛሕ ቃላት እዩ ዚስማዕ እሞ፡ ብኣፍካ ኣይትተሃወኽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዩ፡ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቓላትካ ሒደት ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 11:2 | 6 Helpful votes

ትዕቢት እንተ መጸውርደት ከኣ ይመጽእጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 5 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውንንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:13 | 4 Helpful votes

ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-8 | 3 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡

Translation | Context
ምሳሌ 13:18 | 3 Helpful votes

ነቲ ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር

Translation | Context
ፊልጲ 2:1-11 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩምብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮንመልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ

Translation | Context
ገላትያ 6:1 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያንብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ

Translation | Context
ሮሜ 2:1-4 | 3 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧

Translation | Context
ሮሜ 14:4 | 2 Helpful votes

ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ

Translation | Context
2ይ ነገስት 2:23-24 | 2 Helpful votes

ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕደይብ፡ ኣታ በራሕደይብኢሎም ኣላገጹሉንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮምብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ

Translation | Context
እዮብ 6:24-25 | 2 Helpful votes

ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ አለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1-2 | 2 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:9 | 2 Helpful votes

እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ፧ ግብርኻዶኸኣእዳው የብሉንይብል እዩ፧

Translation | Context
ገላትያ 5:13-15 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኵሉ እቲ ሕጊብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ

Translation | Context
ምሳሌ 23:16 | 2 Helpful votes

እወ፡ ከናፍርካ ቅንዕና እንተ ተዛረበኰላሊተይ ደስ ይብለን።

Translation | Context
ምሳሌ 27:17 | 2 Helpful votes

ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።

Translation | Context