Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

criticize


ያእቆብ 4:11-12 | 7 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ

Translation | Context
ያእቆብ 1:19-20 | 4 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ያእቆብ 2:12-13 | 3 Helpful votes

ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:31-32 | 3 Helpful votes

ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ሮሜ 2:1-4 | 3 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧

Translation | Context
ሮሜ 15:1-2 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንናድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውርንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ከምቲ ጽሑፍጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዚብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍናንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።

Translation | Context
ሮሜ 14:10-12 | 2 Helpful votes

ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 26:12 | 2 Helpful votes

ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12-14 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢለውሃትትሕትናዓቕሊትዕግስቲ ልበሱንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:11 | 2 Helpful votes

ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 2 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:35 | 2 Helpful votes

ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእብዂሉ ኣርኤኹኹም

Translation | Context