Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

daughter of zion


ዘካርያስ 9:9 | 5 Helpful votes

ኣቲ ጓል ጽዮንኣዚኹ ተሐጐሲ፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌምእልል በሊ፣ እንሆ ንጉስኪ፣ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 3:16-26 | 4 Helpful votes

መሊሱ እግዚኣብሄር በለኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔንክሳውደን ገቲረንበዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብንንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትንንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫንንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎንንመስትያትን ቅጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ። ሰብኡትኪ ብሰይፊጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም። ደጌታታ ኪቚዝማን ኪሐዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።

Translation | Context
ድጒዓ 1:1-22 | 3 Helpful votes

እዛ ህዝቢ ጃርጃር ዚብለላ ኸተማ ኸመይ ኢላ እያ ጸምያ እትቕመጥ ዘላ፡ እዛ ኣብ ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት ከመይ ኢላ መበለት ኰነት፡ እዛ ወይዘሮ ኣውራጃታትሲ ገባር ኰነት። ለይቲ ብኽያት ትበኪንብዓታ ኣብ ምዕጒርታ ይውሕዝ፡ ካብ ኲሎም እቶም ፈተውታ ሓደ እኳ የልቦን ዜጸናንዓ፡ ኲሎም ኣዕሩኻ ጠለምዎ እሞ ጸላእታ ዀኑ። ብሰሪ ሓሳርን ብርቱዕ መግዛእትን ይሁዳ ተማሪካ አላ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሰፊራህድኣት ከኣ ስኢና አላ፡ ኲሎም ተሳጐጒታ ኣብ ጸበባኣ ኣርከብዋ። ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሐዝን፡ ኲሉ ደጌታታ ዖንዩካህናት ይትክዙ አለዉ። ደናግላ ጒህየን፡ ንሳ ድማ ተመሪራ አላ። ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኣ እግዚኣብሄር ሓዘን ኣውረደላ እሞ፡ ወደረኛታታ ርእሲ ዀኑ፡ ጸላእታ ይቐንዖም አሎ። ደቃ ተማሪኾም ቀቅድሚ ጸላኢ ኸዱ። ኵሉ ግርማ ጓል ጽዮን ካብኣ ኣግለሰመሳፍንታ ኸም ዚብላዕ ዝሰኣና እራባት ኰኑ፡ ቀቅድሚ ሰጓጒ ንምህዳም ተሐለሉየሩሳሌም ብመዓልትታት መከራኣን ምዂብላላን ናይ ጥንቲ ኽቡር ገንዘብ ትዝክር አላ። ህዝባ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑስ ረዳኢ ምስ ሰኣነ፡ ጸላእቲ እናሽካዕለሉ ጥፍኣታ ረኣዩየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ኸም ርኽስቲ ዀነት፡ እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዐቕዋ። ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ አላ። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና አሎ፡ መወዳእታኣ ኣይሐሰበቶን፡ ስለዚ ምውራዳ መስደምም እዩ፡ ዜጸናንዓውን የልቦን፡ ጻላኢ ይዕበ አሎ እሞ፡ ዎ ጐይታይጸበባይ ርኤ። ኣብ ማእበርካ ኸይኣትው ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ ኣብ መቕደሳ ኺኣትዉ ረአየት እሞ፡ ኣብ ኲሉ ኽቡር ጥሪታ ጸላኢ ኢዱ ዘርግሔ። ኲሉ ህዝባ እናተከዘ እንጌራ ይደሊ አሎ፡ ነፍሶም ክትቀስንሲ ኽቡር ጥሪቶም ንምግቢ ሀቡዎ ጐይታተዋሪደ እየ እሞ፡ ርኤ ጠምትውን። ኣቱም ሐለፍቲ መገዲ ዂላትኩም እስከ ኣስተዋድይዎ፡ ከምቲ በታ መዓልቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እግዚኣብሄር ዘጒሀየኒ ሓንቲ ስቓይ ከምታ እተቐጻዕኩላ ስቓየይ እንተ ኣልያስጠምቱ እሞ ተመልከቱካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕመቖነእጋረይ መፈንጠራ ዘርግሔንድሕሪት ድማ መለሰኒኣብረስኒ ንዂሉ መዓልቲውን ኣማህመነኒኣርዑት ኣበሳይ ብኢዱ ተኣስረተጠላሊፉ ኣብ ክሳደይ ተነብረ፡ ንሱ ሓይለይ ኣድከመጐይታ ኣብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ኣሕሊፉ ወፈየኒእግዚኣብሄር ንዂሎም ጀጋኖይ ኣብ ማእከለይ ራዕ ኣበሎምኣጒባዘይ ኪጭፍልቕኣኼባ ኣኽተተለይ። ጐይታ ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ረገጻ። ስለዚ ኣነ እበኪኣዒንተይ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ይዝቈቛንነፍሰይ ዜቕስና መጸናንዒ ኻባይ ርሒቑ እዩ እሞ፡ ጸላኢ ስለ ዝሰዐረደቀይ በረሱጽዮን ኣእዳዋ ትዝርግሕዜጸናንዓ ኣይተረኽበን። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ዚኸብዎ ጸላእቲ ኣዘዘሉየሩሳሌም ኣብ ማእከሎም ከም ርኽስቲ ዀነት። ንኣፉ ተጻሪረ ነይረ እየ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እይ። ኣቱም ህዝብታት ኲላትኩም፡ ስምዑ ስቓየይውን ርኣዩደናግለይን ኣጒባዘይን ተማሪኾም ከዱንፈተውተይ ጸዋዕክዎም፡ ግናኸ ኣስሐቱኒካህናተይን ዓበይተይን ነፍሶም ኬቕስኑምግቢ ኺልምኑ ኸለዉ ኣብ ከተማ ሐለቑዎ እግዚኣብሄርሐዚነ ኸም ዘሎኹ ርኤኣዝየ ተጻሪረ እየ እሞ ኣምዑተይ ተዀሰልበይ ኣብ ውሽጠት ተገልበጠ፡ ደቀይ ኣብ ግዳም ብሰይፊ ተወድኤ፡ ኣብ ከብዲ ቤት ከኣ ከም ሞት አሎ፡ ቊዝማይ ስምዑዜጸናንዓኒ የልቦን። ኲሎም ጸላእተይ መከራይ ሰምዑ፡ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ተሐጐሱ። ነታ ዝበልካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ፡ ሽዑ ኸምዚ ኸማይ ኪዀኑ እዮም። ኲሉ እከዮም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕብኽያተይ በዚሑልበይ ተሐሊሉ እዩ እሞ፡ ከምቲ ብሰሪ ዂሉ ኣበሳይ ዝገበርካኒ፡ ከምኡ ድማ ንኣታቶም ግበሮም

Translation | Context
ጸፎንያስ 3:14-19 | 3 Helpful votes

ኣቲ ጓል ጽዮንዘምሪ፣ ኣታ እስራኤል፣ እልል በል፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፣ ብዅሉ ልብኺ ተሐጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ። እግዚኣብሄር ንፍርድኺ ኣርሐቖንጸላኢኺ ሰጐጎእግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፣ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዜፍርህ የብልክን። በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂኣእዳውኪ ኣይተሐለላእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም። ነቶም ብዛዕባ ኣኼባ በዓላት ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ፣ ናትኪ እዮም፣ ጾሮም ጸርፊ ነበረ። እንሆ፣ በቲ ጊዜ እቲ ነቶም ዚጭቍንኺ ዅሎም ክጻረሮም እየ፣ ነታ ዝሐንከሰት ከድሕና፣ ነታ እተሰጐት ከኣ ክእክባ፣ ኣብቲ ዝነወርዎ ዅሉ ነገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ።

Translation | Context
ዘካርያስ 9:9-10 | 2 Helpful votes

ኣቲ ጓል ጽዮንኣዚኹ ተሐጐሲ፣ ኣቲ ጓል የሩሳሌምእልል በሊ፣ እንሆ ንጉስኪ፣ ንሱ ጻድቕ መድሓንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ፣ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ። ኣነ ኸኣ ሰረገላ ኻብ ኤፍሬምፈረስ ድማ ካብ የሩሳሌም ከጥፍ እየ፣ ቀስቲ ውግእ ኪጠፍእ እዩ። ንሱ ነህዛብ ሰላም ኪነግሮም እዩ። ግዝኣቱ ኻብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብቲ ርባ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:8-13 | 2 Helpful votes

ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፡ እንሆ፡ ኸኣ፡ ጊዜኺ፡ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔዕርቃንኪ ኸወልኩመሐልኩልኪኺዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽብማይ ሐጸብኩኺ፣ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ። ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፣ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺብሃሪውን ከደንኩኺብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፣ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪኣዚኺ መልካዕኪ፣ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ።

Translation | Context