Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

daughters


መዝሙር 144:12 | 12 Helpful votes

ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፣ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፣

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:44 | 11 Helpful votes

እንሆ፣ እቶም ዚምስሉ ኵላቶም፣ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 32:9 | 8 Helpful votes

ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድናብ ዘረባይ ኣድህባ

Translation | Context
ማርቆስ 5:34 | 7 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ጓለየእምነትኪ ኣድሓነትኪብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪበላ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:18 | 7 Helpful votes

ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ

Translation | Context
ሩት 3:10 | 6 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በላኣቲ ጓለይንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 21:8-9 | 6 Helpful votes

ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔናንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:3-5 | 4 Helpful votes

ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረቃሉ ኣየፍርስከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበርሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረትኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑምእቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:1-2 | 4 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 4:4 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 19:30-38 | 4 Helpful votes

ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። ንዒነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ። እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠንኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶእንሆትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲበለታበታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦእታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ። እታ በዅሪ ወዲ ወለደትስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ። እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትስሙ ብንዓሚ ኣጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 27:1-11 | 4 Helpful votes

ኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላኖዓሖግላሚልካቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለንኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረንኣወዳት ድማ ኣይነበርዎንወዲ ስለ ዘይነበሮስስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ። ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበእግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበንእቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሰብወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተእቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎምኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎምኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።

Translation | Context
ሉቃስ 12:53 | 4 Helpful votes

ኣቦ ኻብ ወዱወዲውን ካብ ኣቦኡኣደ ኻብ ጓላጓላውን ካብ ኣዲኣሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 14:20 | 4 Helpful votes

ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣባኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:22 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕልንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቚሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሐቚፎም ኬምጽኡልኪነዋልድኪውን ኪሕንግርወን እዮም፡

Translation | Context
ኣስቴር 2:7 | 3 Helpful votes

ኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።

Translation | Context
ነህምያ 10:28-29 | 2 Helpful votes

እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምንኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኲሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡ እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኵሉ ኽሕልውን ኪገብርዎንንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብነወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ

Translation | Context
ምሳሌ 31:30 | 2 Helpful votes

ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ

Translation | Context
ዮኤል 2:28 | 2 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

Translation | Context