Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተአታተዉ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብአይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ኸኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ፡ በሎ። እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጊልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ። ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ። ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና ህይው ከሎኹ ጨኒቑኒ አሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ። ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበረ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ። ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ። ዳዊት ድማ ነቲ ዝገበሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ኸመይ ዘይፈራህካ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስካ እዩ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም። ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ አሎ። ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤ፡ እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡ እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡ ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ። ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡ ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ከኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን። ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡ ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡ ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን። ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡ ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፋለዩን፡ ካብ ንስሪ ዚቕልጥፉ፡ ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ። ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡ ነቲ ዜሐጒስ ቀይህ ግምጃ ዘልበሰክን፡ ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ። እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ። ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ። ዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ። እዞም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ። አጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ። ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተአታተዉ። ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ አውጺኡ ንዳዊት ሀቦ፡ ክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።
Translation | Contextዎ ዮናታን ሓወይ፡ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።
Translation | Contextዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣበሳይከ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆ፡ ኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብአለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ፡ በሎ። ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዚ ኣይፍለጥ፡ ይብል፡ ግናኸ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ። ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፡ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ። ኣቦኻ እንተ ሰአነኒ፡ ንብዘለዉ ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ አለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ በሎ። ደሓን እንተ በለካ፡ ንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፉእ ከም ዝመደበ ፍለጥ። እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮ፡ ንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉ። ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሓኒ፡ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በሎ። ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም እተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ፧ በለ። ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፡ ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ፡ መን ይነግረኒ፧ በሎ። ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ንዓናይ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ በሎ። ክልቲኦም ከኣ ናብ መሮር ወጹ። ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡ እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ኣቦይ ንኽፉእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን። ገና ብህይወት እንተ አልየስ ምእንቲ ኸይመውት፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለአለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ። ሽዑ ዮናታን፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን አተወ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ። ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ። ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብታ እቲ ኽፉእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ። ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውር፡ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለአለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እዩ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መአዲ ተቐመጠ። ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከኣ ተንስኤ፡ ኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት። ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን፡ ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱ፡ ወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መአዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧ በሎ። ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ አሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ አሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምሉቚ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ በለኒ፡ ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ። ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛ፡ ንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድየ፧ ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሓደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽአለይ፡ በሎ። ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት፡ እንታይከ ገይሩ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሳኦል ድማ ኪወግኦ ዅናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ፡ ፈለጠ። ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ መአዲ ተንስኤ፡ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን። ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸ፡ ንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ። ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮ፡ በሎ። እቲ ወዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ። እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ፍላጻ ዝውርወረላ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን፧ በሎ። ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍ፡ ደው ኣይትበል፡ ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጸ። ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን። ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡ፡ ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ፡ በሎ። እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለአለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ። ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲአ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን። ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተአታተዉ። ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ አውጺኡ ንዳዊት ሀቦ፡ ክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ። ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ። ኰነ ድማ ምስ አተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ። ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለ፡ ንዳዊት እልፊ ሀባኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ። ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ። ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየ፡ ዳዊት ድማ ከም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከኣ ኵናት ነበረ። ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዅናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ። እግዚኣብሄር ካብ ሳኦል ኣግለሲሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ። ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸኣ ይወጽእን ይአቱን ነበረ። ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዝዀነ ምስ ረአየ፡ ንእኡ ፈርሆ። ብዘለዉ እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጽእን ይአቱን ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎ። ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ አሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ከኣ ተዋጋእ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር፡ ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለ። ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ ሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ህይወተይከ እንታይ እያ፧ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧ በሎ። ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዐወላ ጊዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበት። ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎ። ሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊት፡ ሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ ንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ አሎ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ፈትዮምኻ አለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ገላዉ ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብአይ ክነሰይ፡ ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም አሎ፡ በለ። እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ዘረባ ተዛሪቡ፡ ኢሎም ነገርዎ። ሳኦል ድማ በለ፡ ንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ፡ በጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን፡ ዚደልዮ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬውድቖ ሐሲቡ ነበረ። እቶም ገላዉኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ኪኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይአኸላ ድማ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽኤ፡ ብምሉእ ቊጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ሳኦል ድማ እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረአየን ፈለጠን። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶ። ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሜኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ። ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ወጹ። ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።
Translation | Context