Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

death of a child


ማቴዎስ 19:14 | 15 Helpful votes

የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ

Translation | Context
መዝሙር 34:18 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 7 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስነቚሳሎም ይዘንን

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:16-18 | 6 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:27-28 | 5 Helpful votes

ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:13-17 | 4 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎናጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:4 | 4 Helpful votes

ዚጕህዩምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-3 | 4 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:11 | 4 Helpful votes

ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:14 | 3 Helpful votes

ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:4 | 3 Helpful votes

በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:27 | 3 Helpful votes

ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን

Translation | Context
ማቴዎስ 18:1-4 | 3 Helpful votes

በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽእናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ። ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። በለ ኸኣእንተ ዘይተመለስኩምከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩምናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕትንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 57:1-2 | 2 Helpful votes

ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን። ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዐርፉ

Translation | Context
ሉቃስ 20:36 | 2 Helpful votes

እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምኳኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮምከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከአሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 31:8 | 2 Helpful votes

እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።

Translation | Context
መዝሙር 116:15 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:18-19 | 2 Helpful votes

ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።

Translation | Context