Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ። ንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶ። ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪ፡ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት። ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት።
Translation | Contextደቂ እስራኤል ከኣ፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም። ሓላቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ሓሮሼት - ጎይም ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ። ንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶ። ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪ፡ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት። ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት። ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያን፡ ደቂ ዮባብ ሓሙ ሙሴ፡ ተፈልዩ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጸዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ። ንሲሰራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ፡ ነገርዎ። ሽዑ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱ፡ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼት - ጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ። ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመ። ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ሲሰራ ስዒቡ ክሳዕ ሓሮሼት - ጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ያቢን ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ሀደመ። ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ጐይታይ፡ እቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህ፡ በለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን አተወ፡ ንሳ ኸኣ ወንጮ ኸደነቶ። ንሱ ድማ፡ ጸሚኤ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን። ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡ፡ ኣብዚዶ ሰብ አሎ፧ ኢሉ እንተ ሐተተኪ፡ የልቦን በሊ፡ በላ። ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኦ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፡ ቀስ ኢላ ናብኡ አተወት፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ። እንሆ ድማ፡ ባራቅ ንሲሰራ ኺሰጎ ኸሎ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጺኣ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ፡ በለቶ። ናብኣ ድማ አተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢን፡ ንጉስ ከነኣን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረደ። ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዜጥፍእዎ ኸኣ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት።
Translation | Contextዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።
Translation | Contextኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ።
Translation | Contextሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ዴቦራን ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩ፡ መራሕቲ ኣብ እስራኤል ምርሒት ስለ ዝወሰዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ርእሱ ብፍቓድ ስለ ዝወፈየ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ሹማምቲ፡ ጽን በሉ። ኣነ፡ እወ ኣነ ንእግዚኣብሄር እዝምረሉ፡ ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽ እስራኤል እቕነየሉ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ሰዒር ምስ ወጻእካ፡ ካብ መሮር ኤዶም ድማ ምስ ከድካ፡ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፡ ደበናታት ድማ ማይ ኣንጠብጠቡ። ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተነቓነቑ፡ እዚ ሲና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ። ብዘበን ሻምጋር ወዲ ዓናት፡ ብዘበን ያዔል ጐደና መገዲ ሐደጉ፡ ሓለፍቲ መገዲ ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ። ኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ። ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ። ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ ዋልታ ዀነ፡ ኵናት ኰነዶ ተርኤ፧ ልበይ ምስቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፡ ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኹ። ኣቱም ጸዓዲት ኣእዱግ እትውጥሑ፡ ኣቱም ኣብ ምንጻፋት እትቕመጡ፡ ኣቱም ሐለፍቲ መገዲውን፡ ብዛዕባኡ ተዛረቡ። ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፡ ኣብ መንጎ ጋብላታት፡ ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ጽድቂ ሓላቑኡ ድማ ይንገሩ። ሽዑ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ደጌታት ወረደ። ተንስኢ፡ ተንስኢ ዴቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ መዝሙር ዘምሪ። ባራቕውን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ። ሽዑ ተረፍ እቶም ክቡራትን እቲ ህዝብን ወረዱ፡ እግዚኣብሄር ናባይ ኣብቶም ጀጋኑ ወረደ። ኣብ ኣማሌቅ ዝሱሮም ካብ ኤፍሪም ወረዱ፡ ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእከል ህዝብታትካ፡ ሓላቑ ኸኣ ካብ ማኪር ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዚምርሑ ወረዱ። ሹማምቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡ ባራቅውን ከም ይሳኮር ገበረ፡ ብታህዋኽ ናብቲ ለሰ እግረእግሩ ጐየዩ። ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምኽርታት ልቢ ነበረ። ስለምንታይከ ዕንዱር ጓሶት ክትሰምዕ፡ ኣብ ማእከል ደምቤታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ፧ ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል ዓበይቲ ምርመራታት ልቢ ነበረ። ጊልዓድ ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ሰፊሩ ነበረ፡ ዳንከ ስለምንታይ ኣብ መራኽብ ተቐመጠ፧ ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ይቕመጥ ነበረ፡ ኣብ ወደባቱ ኸኣ ሰፈረ። ዛብሎን ነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፡ ንፍታሌም ድማ ኣብ በረኽቲ መሮር ከምኡ ገበረ። ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፡ ሽዑ ኣብ ተዓናክ ኣብ ማያት መጊዶ፡ ነገስታት ከነኣን ተዋግኡ፡ ምርኮ ብሩር ግና ኣይወሰዱን። ካብ ሰማይ ተዋግኡ፡ ከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ። ርባ ቂሶን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡ ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም። ዎ ነፍሰይ፡ ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ። ሽዑ ኻብ ጋልበት፡ ጋልበት እቶም ሓያላቱ፡ ሸዃኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ። መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንሜሮዝ ርገምዋ፡ ይብል፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑ ስለ ዘይመጹ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣዚኹም ርገምዎም። ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡ ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን። ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሀበቶ፡ ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ። ኢዳ ናብ ሸኻል፡ የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሔት፡ ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡ መታልሑ ኣንኵላውን ኣሕለፈቶ። ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ በጥ ከኣ በለ፡ እወ፡ ኣብ ምንጎ ኣእጋራ ቚልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡ ኣብቲ እተቘልዐጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ። ኣደ ሲሰራ ብመስኰት ጠመተት፡ በቲ ዓይኒ-ርግቢ ኸይና ጨደረት፡ ሰረገላኡ እንታይ ኰይኑ ምምጻእ ደንጐየ፧ መንኰራዅር ሰረላኡኸ እንታይ ኰይኑ ደሐረ፧ እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፡ ንሳ ንርእሳውን መለሰት፡ ምርኮዶ ኣይረኸቡን፧ ኣይመቐሉንዶኸ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓል፡ ክልተ ጓል፡ ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ። ኣብ ክሳውዲ እቶም ምሩኻትከ በበይኑ ዝሕብሩ ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን፧ ዎ እግዚብሄር፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ። እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት።
Translation | Contextንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶ። ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪ፡ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት። ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት። ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያን፡ ደቂ ዮባብ ሓሙ ሙሴ፡ ተፈልዩ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጸዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ። ንሲሰራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ፡ ነገርዎ። ሽዑ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱ፡ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼት - ጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ። ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሀደመ። ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ሲሰራ ስዒቡ ክሳዕ ሓሮሼት - ጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
Translation | Contextንሳ ኸኣ፡ ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት።
Translation | Contextባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪ፡ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ።
Translation | Contextዎ እግዚብሄር፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡ እቶም ዚፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡ ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ። እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዐረፈት።
Translation | Contextዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ።
Translation | Contextብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።
Translation | Contextንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሐለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ፡ ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧ በለቶ።
Translation | Context