Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

dedication


ሮሜ 12:1-2 | 11 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ቈሎሴ 3:17 | 8 Helpful votes

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:13 | 7 Helpful votes

ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩምነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 7 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
ነህምያ 12:27-43 | 5 Helpful votes

ብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ኪቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ኬምጽእዎም ደለይዎም። እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ጸንዑ። ነቲ ህዝብን ንደጌታትን ነቲ ቖጽርን ከአ ኣንጽህዎንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎምዜመግኑ ኸኣ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የመን ከዱብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደሓላቑ ይሁዳ ኸኣ ፈረቓኦም ከዱ፡ ኣዛርያን እዝራን መሹላምንይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን፡ ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልንሚላላይጊላላይማዓይንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸኣ ቀቅድሚኦም ነበረ። ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዜደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዒ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዜደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዜብል ደገ ማይ ደየቡ። እቶም ካልኣይ ታራ ዜመስግኑ ኸኣ ኪራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና። ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳ ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ። እቶም ክልተ መስርዕ ዜመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከአ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ። እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂምማዕሰያሚንያሚንሚካያኤልዮዔናይዘካርያስሓናንያመለኸት ሒዞም። ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸኣ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸኣ መራሒኦም ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡኣምላኽ ዓብዩ ሓጐስ ኣሕጎስዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከአ ተሓጎሱሓጐስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 4 Helpful votes

ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:28 | 4 Helpful votes

ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሐረሞ ዂሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝዀነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ወይ ግራት ርስቱ ዝዀነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሐርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
እዝራ 6:17 | 2 Helpful votes

ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሚእቲ ዝራብዕ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑልኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ

Translation | Context
ራእይ 14:12 | 2 Helpful votes

እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 32:8 | 2 Helpful votes

ኣነ ኽምህረካ፣ ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፣ ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:27-28 | 2 Helpful votes

ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:11 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎንኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1-51 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረእቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረእቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረእዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦንህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህጸልማት ግና ኣይሐዞንዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረንእቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረኣብ ዓለም ነበረዓለምውን ብእኡ ዀነትዓለም ግና ኣይፈለጠቶንናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎንነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤናዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረእቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልናሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦንእቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲንሱ ኣግሃዶኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎምሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎምእቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእንሱ እዩኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞእንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽበለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩዮሃንስ ድማመንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲመንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎንኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞእንሆገንሸል ኣምላኽበለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖምንየሱስ ሰዓብዎየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩእንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢትርጉሙ መምህርኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩበሎምመጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረትካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞንመሲህክርስቶስ ዝትርጉሙረኺብናዮበሎናብ የሱስውን ኣምጽኦየሱስ ከኣ ጠሚትዎንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙክትብሃል ኢኻበሎንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞስዓበኒበሎፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉየሱስወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬትረኺብናዮበሎናትናኤል ድማካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎፊልጶስውንንዓ ርኤበሎየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮብዛዕባኡእንሆጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለናትናኤልኣበይ ትፈልጠኒበሎየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካኢሉ መለሰሉናትናኤል ድማረቢንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱመላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:29 | 2 Helpful votes

እተሐርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ

Translation | Context