Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

28 bible verses about

democracy


መሳፍንቲ 21:25 | 5 Helpful votes

በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1-7 | 4 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነንክትግዝእዎም ዚግብኣኩምገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ አለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ

Translation | Context
ምሳሌ 4:27 | 3 Helpful votes

ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስንእግርካ ኻብ እከይ ኣርሕቆ

Translation | Context
መዝሙር 146:3 | 3 Helpful votes

ብመሳንፍቲ፣ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:13-17 | 2 Helpful votes

ከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 9:5 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊትኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለአለም ከጽንዖ እየ

Translation | Context
ምሳሌ 14:15 | 2 Helpful votes

ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምንለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን

Translation | Context
ሮሜ 14:1 | 2 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 19:6-7 | 2 Helpful votes

ነቶም ፈረድቲውን በሎምነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:29 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 36:1 | 2 Helpful votes

ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 2:22 | 2 Helpful votes

በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ ኣዩ እተቋጽርዎ

Translation | Context
መክብብ 10:2 | 2 Helpful votes

ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፡ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ጸጋሙ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 30:21 | 2 Helpful votes

ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩምኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።

Translation | Context
ሮሜ 8:38-39 | 2 Helpful votes

ሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context
ዘጸአት 18:26 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 20:5-6 | 2 Helpful votes

ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበርኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡ በለ ኸኣዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይእቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ፧ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:10 | 2 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩምእምዕደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘጸአት 18:21 | 2 Helpful votes

ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባትእሙናትረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-2 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:33 | 2 Helpful votes

ምእንቲ ኺድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ ኤሐጒስ አሎኹ።

Translation | Context
ገላትያ 3:20 | 2 Helpful votes

ማእከላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነንኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 8:15 | 2 Helpful votes

ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ

Translation | Context
መሳፍንቲ 8:23 | 2 Helpful votes

ጊዴዎን ከኣ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምንወደይውን ኣይገዝኣኩምን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኩምበሎም

Translation | Context
ማቴዎስ 28:18 | 2 Helpful votes

የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 1:13 | 2 Helpful votes

ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡሓላቑኹም ክገብሮም እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 19:11 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
መዝሙር 67:4 | 2 Helpful votes

ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶምነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። [ሴላ።]

Translation | Context