Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

demon possession


ማርቆስ 9:17-29 | 5 Helpful votes

ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህርንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺኤዮ አሎኹ፡ ኣብ ዝሓዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዓፍርኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውንንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ኬውጽእዎ ነጊረዮምሲንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰጉም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎኢሉ መለሰ። ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዓፈረ ኸኣ። የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዚሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱኬጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ገለ ትክእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍበሎየሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኺጐዩ ምስ ረአየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስእእዝዘካ አሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎኢሉ ገንሖገዓረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸብዙሓት ሞይቱ ኽሳዕ ዚብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስኤ። ናብ ቤት ምስ ኣተወደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 4 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 9:29 | 4 Helpful votes

ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ኪወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 4 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:4 | 4 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 12:43-45 | 3 Helpful votes

ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስይብልምስ መጸጥራያተዀስቲራተሰሊማ ይረኽባ። ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 3 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
ማርቆስ 5:1-20 | 3 Helpful votes

ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹካብ ጃልባ ምስ ወጸብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረንብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረንመቝሕ ይሰብሮንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽእለ ከቶ ኣይነበረን። ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረንየሱስርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዩጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽምሳኻ እንታይ አሎኒከይትሳቐየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎካብታ ሃገር ከየውጽኦምብዙሕ ለመኖኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱኢሎም ለመንዎየሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩእቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩለጌዎን ዝነበርዎተቐሚጡተኸዲኑናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎምካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖየሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድእግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮምበሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉንከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኺሰብክ ጀመረኵሎምውን ተደነቑ

Translation | Context
ማቴዎስ 17:14-20 | 2 Helpful votes

ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡ በሎውን፡ ጐይታይንወደይ ምሐረለይሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡ ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስምሕዋዩ ሰኣኑ። የሱስ ግና መለሰ በለውንኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎየሱስ ገንሖእቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸእቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦምስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎየሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለትብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስዚሰኣነኩም ውን የልቦን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረትጳውሎስ ድማ ጒህዩግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስካብኣ ኽትወጽእብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:41 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10-18 | 2 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:1 | 2 Helpful votes

ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም

Translation | Context
ሉቃስ 10:17-20 | 2 Helpful votes

እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱበሎምሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎእንሆተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን። ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩምበዚ ኣይትተሐጐሱ

Translation | Context