Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

denial


1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 9 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:26 | 5 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 28:47-48 | 5 Helpful votes

ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-26 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳንኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክርቤት ብጻይካ ኣይትተምነሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡግዝእቱብዕራዩኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩእቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢናኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውትኣይዛረበናበልዎሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁበሎምእቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩመሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻንኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲብመሳልል ኣይትደይብ።

Translation | Context
ዘዳግም 28:1-68 | 4 Helpful votes

ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙእግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ። ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ። ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸእግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡሰማይኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካንብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን። ግናኸ ኪኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግልባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ። ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። ንኣይ ሐዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትንእግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልካ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዜብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኼልግበልካ እዩ። እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ኪወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ኪሰጕኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ኪኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ኪገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ኪወርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾምብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሀድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ኪኸውን እዩ፡ ዚሰጎም ከኣ የልቦንእግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ኪወቕዓካ እዩ። እግዚኣብሄርብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ኪወቕዓካ እዩ። ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዚብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካንወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዜድሕነካ ኸኣ የልቦንሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራንወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉንብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሀባዚረድኣካ ኸኣ የልቦንኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሀቡኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኺበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። ኣዒንትኻ ዚርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሐውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኺወቕኻካ እዩ። እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲንዕንጨይትን ንእምንንከተምልኽ ኢኻ። ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዚመርሓካ ዅሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኺበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኺርግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከንኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ኪኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኺወርሶ እዩ። ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድንሱ ኼለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ኪኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን። እቲ ዝአዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ኪወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ኪሰጐካን ኬርክበካን እዩ። ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ኪዀኑ እዮም። ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዜጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኼንብረልካ እዩ። ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢከም ንስሪ ዚነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኼምጽእ እዩ። ጨካን ዝገጹ ህዝቢገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሐፍርንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ኪበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዜጥፍኣካስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዚፈርስብዅሉ ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ኪኸበካ እዩ። በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካንፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። ኣባኻ እቲ ቚጽይጽይ ዚብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቚፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዚበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ ኣባኻ እታ ቚጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትንብሕንቃቔአን ቚጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቚፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መወዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሐቢኣ ኽትበልዖም እያ። ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስምእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካእግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዜገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዚድንጒ መቕዘፍቲሕሱም እሞ ዚድንጒ ሕማም ኪገብር እዩ። ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኺመልሶ እዩ እሞ ኺለግበካ እዩ። ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ኬምጽኣልካ እዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ኪገብረልኩም ኬብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ኪብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ኬብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዜንቀጥቅጥ ልብን ዝሐመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ኪህበካ እዩ። ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዚመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዚወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲእግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኺመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዚዕድግ ከኣ የልቦን

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 4 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 3 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:15 | 3 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:1-48 | 3 Helpful votes

ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮምብመንፈስ ድኻታትመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላትንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡንኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላምውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ይምቅርብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበርክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩምሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸምካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረከምእውን ንሰብ ዝመሀረኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግናንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ነቶም ቀዳሞትእቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግናንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎኪድቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕእንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካፈራዲውን ንጊልያኡናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲካብኣ ኸም ዘይትወጽእብሓቂ እብለካ አሎኹ። ነቶም ቀዳሞትኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎምሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካየማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካንሰበይቱ ዚፈትሓጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ። ድማ ነቶም ቀዳሞትማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞብርእስካ እኳ ኣይትምሐልነገርኩምሲእወእወኣይኰነንኣይኰነን ደኣ ይኹንካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎየማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኪማጐተካቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድንዝለመነካ ሀቦካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮብጻይካ ፍቶጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉንዚረግሙኹም መርቑውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩምተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑንነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩምኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:27 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 18:1-40 | 3 Helpful votes

የሱስ እዚ ኢሉምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮንናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ሮማውያንን ንገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ ወጸሽዑ የሱስ ዚመጾ ዘበለ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ ኢሎም መለሱሉየሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎምእቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ። ሽዑኣነ እየ፡ ምስ በሎምኣድሐርሐሩ ናብ ምድሪውን ወደቑከም ብሓድሽ ድማንመን ትደልዩ አሎኹም፡ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣንየሱስ ናዝሬታዊበሉእቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምየሱስኣነ እየ ኢለኩም ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎምሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩየሱስ ከኣ ንጴጥሮስሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፡ በሎሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ ቀያፋ ኸኣ እቲኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱስ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዐጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዐጻዊት ደገንጴጥሮስንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይን፡ በለ። ብዙሕ ቍሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላውን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ። ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶየሱስ ከኣ፥ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረብኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩንንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ አሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶምእንሆንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ። እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላው ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ አሎኻ፡ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖየሱስ ከኣ፥ ክፉእ እንተ ተዛሪበክፉእ ምዃኑ መስክርጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግናስለምንታይ ትወቕዓኒ አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉሃና ኸኣ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናትብእሱሩ ሰደዶስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረስለዚንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ ንሱ ግና፥ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ። ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ካህናት ሓደነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደብኡብኡውን ደርሆ ነቀወሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎንግሆ ድማ ነበረንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉንሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለሱሉሽዑ ጲላጦስ ንስካትኩም ውሰድዎከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎበሎምየሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምእቶም ኣይሁድንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቐደልናንበልዎሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻበሎየሱስ ድማ፥ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፡ ኢሉ መለሰጲላጦስ ከኣ፥ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ካህናትን ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻእንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉየሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮምሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰጲላጦስ ድማ፥ እምብኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻበሎየሱስ ከኣ፥ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ብሓቂ ኽምስክርምእንትዚ ተወለድኩምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩበሎእዚ ኢሉ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ አሎኩምእምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎምንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይኰነንበሉበርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ

Translation | Context
ማቴዎስ 4:1-25 | 3 Helpful votes

ሽዑ መንፈስ ንየሱስብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመድሕርዚ ጠመየእቲ ፈታኒ ድማ መጺኡወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስእዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በልበሎ። የሱስ ግናሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍበእዳዎም ኬልዕሉኻንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝጽሑፍ አሎ እሞወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስንታሕቲ ገጽካ ጽደፍበሎየሱስንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱመንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይእዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕሰይጣንበሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎእንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎየሱስማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ። ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምንኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብልምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምንመገዲ ባሕሪማዕዶ ዮርዳኖስገሊላ ኣህዛብኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎምየሱስ ካብኡ ነጀውመንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተንስሑእናበለ ኺሰብክ ጀመረኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋትጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረአየ። የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒበሎምብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋትያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦምመርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረአየ እሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎምብኡብኡ ሰዐብዎየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸንዅሎም ሕሙማት ከኣበብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:1-46 | 3 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩሰናብተይ ሓልዉመቕደሰይውን ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩምትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሐሎኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣ፡ ኣነ ዝናምኩም ብጊዜኡ እህበኩምምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬኤን ይህባመኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ክሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሀዲእኩም ትቕመጡ። ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዜፍርሃኩምውን የልቦን፡ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሐልፍንጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጒዎምሚእቲ ካባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጒዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ። ነዊሕ እተዐቚረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑስለቲ ሓድጽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጒሕፍዎማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን። ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትዀኑኒ። መታን ባሮቶም ከይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቊራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም። ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ዂሉ ትእዛዛት እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩምሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዐቕኩም እሞ ኲሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነትኪዳነይ ከኣ እንተ ኣፍረስኩም፡ ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዜሕምቕ ነፍሲ ኸኣ ዜድክም ዓሶን ክሰደልኩም እየ። ጸላእትኹም ኪበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልኡኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም፡ ዝሰጐጐኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም። በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺንምድርኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ። ምድርኹም እኽላ ኣይትህብንኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእክትጻረሩኒ እንተ ኸድኩምክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ። ንደቅኹም ዚዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዜጥፍኡ፡ ንቚጽርኹም ድማ ዜውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡ ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩምሕነ ኺዳነይ ዚፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሀቡበትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩምንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦእንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩምበሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን። በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኽድኩም፡ ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም። ስጋ ኣወዳትኩም ክትብልዑስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። በረኽትኹም ኤፍርስ፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኒድኩምውን እሰብርንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ። ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረንንመቓድስኩምውን ኤፍርሰን፡ ደጊም ከኣ እቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጨንዎን። ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኺድነቑ እዮም። ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተማታትኩምውን በረኻ ይዀና። ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዐንወሉ ዅሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዐርፍብሰናብታ ኸኣ ባህ ይብላ። እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ብሰናብትኹም ዘይዐርፈት፡ በቲ እትዐንወሉ ዂሉ ዘበን ክትዐርፍ እያ። ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለዉ፡ ምሽባር ናብ ልቦም ከእቱ እየ፡ ደሃይ እተነቓነቐት ቈጽሊ ኸኣ የህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዚሀድም ይሀድሙ፡ ገለ ኸይሰጐጎም ከኣ ይወድቁሓደ እኳ ኸይሰጐጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ከኣ ክትቈሙ ኣይትኽእሉን። ኣብ ማእከል ህብታት ትጠፍኡምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ። በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዚገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ኪናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎምሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሐቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ፡ ኣነ ድማ እቲ ኺዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ። ነታ ሃገር ኪሐድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከየለዉ ዖንያ ኸላ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉንነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ። እዚ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምንኣይፍንፍኖምን ድማ። ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጺኤ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝአቶኽዎ ኺዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሀበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 46:1 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልንብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:52-54 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:38-39 | 2 Helpful votes

ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎየማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ

Translation | Context