Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።
Translation | Contextሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ።
Translation | Contextእቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextእግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።
Translation | Contextእቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም።
Translation | Contextእዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።
Translation | Contextከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ፣ ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ፣ በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፣ በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፣ ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፣ እምነት ከኣ ድለ። ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ። ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፣ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ። ንእግዚኣብሄር ሀዲእካ ተጸበዮ፣ በቲ ብመገዱ ዚሰልጠሉ፣ በቲ ሕሱም ሃቐና ዚፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፣ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፣ ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፣ ኣይተንጸርጽር፣ እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዜብጽሕ። ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፣ ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ። እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ። ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ኬውድቕዎ፣ ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዚኸዱ ኸኣ ኪሐርድዎም፣ ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ። ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዚአቱ፣ ቀስቶምውን ኪስበር እዩ። ቀላጽም ረሲኣን ኪስበር እዩ፣ ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፣ ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ። እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፣ ርስቶም ከኣ ንዘለአለም ኪነብር እዩ። ብኽፉእ ዘመን ኣይኪሐፍሩን፣ ብመዓልትታት ጥሜትውን ኪጸግቡ እዮም። ረሲአን ግና ኪጠፍኡ እዮም፣ ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፣ ኪበኑ፣ እወ፣ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም። እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ። ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፣ መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፣ እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ። ንእሽቶ ነበርኩ፣ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፣ ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን፣ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን። ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፣ ዘርኡውን ብሩኽ እዩ። እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፣ ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን፣ ንዘለአለም ይሕለዉ፣ ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፣ ካብ እከይ ርሐቕ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንዘለአለምውን ክትነብር ኢኻ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፣ ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር። ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣ ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ። ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ኪቐትሎምውን ይደሊ። እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይኪሐድጎን፣ ኪፍረድ ከሎውን ኣይኪዅንኖን እዩ። ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ፣ ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ፣ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ። ንረሲእ፣ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ ዝለምለመት ኦም፣ ብስልጣኑ ርኤኽዎ። ምልስ እንተ በልኩ ግና፣ ሰአንክዎ፣ ደሌኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን። ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፣ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፣ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቚረጽ እዩ። ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ። እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፣ ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፣ ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።
Translation | Context