Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

dinosaurs


እዮብ 40:15-24 | 32 Helpful votes

ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡ እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ። ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡ ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቆ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ። ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡ ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውንህዱእ እዩ። እናረአየዶ ይተሐዝ እዩ፧ ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ፧

Translation | Context
ኢሳይያስ 27:1 | 21 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመንንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 41:1-34 | 12 Helpful votes

እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ። ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ፧ እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ። ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ። ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ፧ ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ፧ ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት አሎ። እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡ ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡ ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡ ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡ ንሓድሕዶም ይተሓሐዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም። እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ። ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡ ካብኡ ኸኣ ቊልዒ ሓዊ ይነጥር። ከም ካብ ዚገርር ድስትን ቊራዕን ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ። ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሐድር፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር። ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ። ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡ ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ። ንሱ እንተ ተንስኤጀጋኑ ይሽበሩ፡ ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦምሰይፊ እንተ ወቕዖኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ። ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰርነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮፍላጻ ኣየህድሞንእምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ። ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዚቘጽሮንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ። ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት አለዎ፡ ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድግ። ንሱ ንመዓሙቚ ከም ድስቲ የፍልሖ፡ ንባሕሪ ድማ ከም ቊራዕ ቅዲት ይገብሮደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡ እቲ መዓሙቚውን ሽበት ይመስል። ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን። ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለዉ ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ።

Translation | Context
እዮብ 40:15 | 11 Helpful votes

ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:24-31 | 9 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
መዝሙር 104:26 | 9 Helpful votes

ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት

Translation | Context