Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

disrespectful to authority


እብራውያን 13:17 | 6 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 5:16 | 4 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

Translation | Context
ቈሎሴ 3:20-24 | 4 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
ዘጸአት 17:1-16 | 3 Helpful votes

ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ፡ ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሀቡና፡ ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑሙሴ ኸኣ፡ ስለምንታይ ምሳይ ትቛየቑበሎም። ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑበሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴስለምንታይ ኢኻንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉሙሴ ድማ፥ ነዚ ህዝቢዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ ቕሩብ ተሪፍዎም አሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድእንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ክትወቅዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስቲ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። ብዛዕባ እቲ ቘየቛ ደቂ እስራኤልንእግዚኣብሄር ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ አሎ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎስም እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኣውጽኣላ። ሽዑ ኣማሌቅ መጺኡ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ረፊዲም ተዋግኤሙሴ ድማ ንእያሱሰባት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቅ ተዋጋእ። ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ፡ በሎእያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፡ ምስ ኣማሌቅ ከኣ ተዋግኤሙሴን ኣሮንን ሁርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደየቡኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕልእስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ። ኣእዳው ሙሴ ኸኣ ረብረባ እሞ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ፡ ንሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠኣሮንን ሁርን ከኣ ሓደ በዚ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ኣእዳው ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳው ኸኣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ጸንዓእያሱ ድማ ንማሌቅን ንህዝቡን ብስሕለት ሴፍ ቀርደዶምእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺመ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎንእያሱውን ኣብ እዝኑ ኣስምዓዮበሎሙሴ ኸኣ መሰውኢ ሰርሔስሙ ድማ፡ እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ፡ ኢሉ ጸውዖ። ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ አላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሌቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ

Translation | Context