Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ኰነ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ አሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም። ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ ምስ በልክዎ፣ እንተ ዘይመዐድካዮ፣ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፣ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፣ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሀንካ። ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፣ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፣ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፣ ብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ንስኻ ግና፣ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፣ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።
Translation | Contextፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ።
Translation | Contextንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Context