Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ አሎኹ።
Translation | Contextዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
Translation | Contextኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
Translation | Contextእቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረን። ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋ። ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደ። ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ። ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፥ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎ፧ በሉ። ካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉ። ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። የሱስ መለሰሎም፥ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩ፡ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ። የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታት ካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ መለሰሎም፥ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ - ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧ ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ። መሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘ። ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፥ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ።
Translation | Contextንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ ብየዕለቱ ደገይ እናጸንዔ፡ ዚሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextእታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።
Translation | Contextዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
Translation | Contextእቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ።
Translation | Contextዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
Translation | Contextካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፣ ለሰ ኣኮር ከኣ ከም ደገ ተስፋ ክህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፣ ከምቲ በታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ አሎ።
Translation | Contextጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ፡ በለኒ።
Translation | Contextመኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን።
Translation | Contextጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ።
Translation | Contextመልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም።
Translation | Contextንሱ በታ መጀመርያ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን ጸገነንውን።
Translation | Contextእተዊ። ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ።
Translation | Contextወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፈቱለይ ከሎስ፡
Translation | Context