Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
መንፈስ ምንዝርናን ኣስሒትዎም፣ ካብ ኣምላኾም ርሂቖም መንዚሮም እዮም እሞ፣ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትት፣ በትሩውን ይነግሮ።
Translation | Contextናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ክትወቅዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስቲ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።
Translation | Context