Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም፣ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።
Translation | Contextብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።
Translation | Contextኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።
Translation | Contextንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስ፣ እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ።
Translation | Contextደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ። እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ አሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም አሎና።
Translation | Contextብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን። እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
Translation | Contextልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ።
Translation | Contextመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና።
Translation | Contextሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓባይቲ የፍርሱ አለዉ፧ በልዎ። ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧ ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ። ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ ኣስተውዕሉ፡ ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ። ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ። ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጕመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን፧ ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን። የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት። ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ድድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት። የሱስ ካብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ። ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎም፡ የደንግጹኒ አለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ክንደይከ እንጌራ አሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም። ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ አመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም። ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ። እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕ፡ ሰብኣይ ነበሩ። ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ አትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።
Translation | Contextኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
Translation | Contextንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።
Translation | Context