Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።
Translation | Contextንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
Translation | Contextእቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም።
Translation | Contextእቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።
Translation | Contextብሰሪ ደም ሰብን ብሰሪ እቲ ንሃገርን ከተማን ኣብኣተን ዚነብሩ ዅላቶምን እተገብረ ዓምጻን፡ እቲ ንሊባኖስ ዝዐመጽካያም እቲ ንእንስሳታት ዜስክሕ ጥፍኣት ዝገበርካዮን ኬጐልብበካ እዩ እሞ፡ እቲ ንብጻዩ ዜስትዮን፡ ዕርቃኑ ኺርእስ ዜስክሮን መርዚ ዜቕርበሉን ወይለኡ። ንስካ ኣብ ክንዲ ኽብርስ ነውሪ ክትጸግብ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ስተ፡ ነቲ ዘይግዙር ምዃንካውን ቅልዓዮ፡ እቲ ጽዋዕ የማን ኢድ እግዚኣብሄር ኪምለሰካ፡ ኣብ ልዕሊ ክብርኻ ድማ ነውራም ትፋእ ኪዀነካ እዩ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ።
Translation | Contextነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።
Translation | Context