Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

eagles wings


ኢሳይያስ 40:31 | 21 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
ዘጸአት 19:4 | 10 Helpful votes

እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎበኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።

Translation | Context
ዘዳግም 32:11 | 8 Helpful votes

ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፣ ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ።

Translation | Context
ሚልክያስ 4:2 | 3 Helpful votes

ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጻሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩ ኢኹም።

Translation | Context
ዳንኤል 7:1-28 | 3 Helpful votes

ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሕፎ፡ ርእሱ ነገሩውን ኣዘንተዎ። ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበለይቲ ብራእየይ ርኤኹእንሆ ኸኣ፣ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ። እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦእንሆ ድማ፣ ካልኣይንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፣ ከኣ በልዎድሕርዚ እንሆካልእ ኣራዊትኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣ ግዝኣት ድማ ተዋህቦድሕርዚ ብራእያት ለይቲእንሆመፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፣ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ። ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ካልእ ቀርኒ ወጸ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱእንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ። ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊመንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ። ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነመጻሕፍቲውን ተገንጸለ። ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተል ጠመትኩ፣ ስጋኡ ጠፍኤ፣ ምእንቲ ኺነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ። ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎምብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ። ኣነ ዳንኤልመንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፣ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ። ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፣ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኸኣ ርግጺ ሓተትኩዎ። ንሱ ተዛረበኒ፣ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒእዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም። እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፡ ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም፡ ኤረ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም። ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲኣስናኑ ሓጺንኣጽፋሩ ኸኣ ኣስራዚ ዝዀነ፣ ዝወሓጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋገጾን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝዀነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰረት ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፣ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፣ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፣ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ፣ ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸትርግጹ ኺፈልጥ ደሌኹ። እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኽሳዕ ዚመጽእፍርዲ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ክሳዕ ዚወሀብ፣ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዚወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትመጽእእታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ካብ ኵለን መንግስታት በይና ዝኰነት ዓይነታ፡ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ኽትከውን እያ፡ ንዅላ ምድሪ ኽትውሕጣን ክትረግጻን ክትጥሕናን እያ። እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸኣ፡ ካብዛ መንግስቲ እዚኣ ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም፡ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእንሰለስተ ነገስታትውን ኬውርዶም እዩ። ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረብ፣ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም፣ ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ፣ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም። ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን፣ ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከኣ፣ ግዝእቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስቲን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፣ ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዎን ኪእዘዝዎን እዮም። ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገርኣነ ዳንኤል ሓሳባተይ ኣዝዩ ኣጨነቐኒገጸይ ተለወጠኒ፡ ነቲ ነገር ከኣ ኣብ ልበይ ዐቘርኩዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:1-31 | 3 Helpful votes

ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡጸበባኣ ኸም እተፈጸመኣበሳኣ ኸም እተሐድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅመገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልውኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበልኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ። ድምጺኣውጅይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅበለስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፉስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽዕምባባ ይቕምስልቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር። ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮንናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌምድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊብዘይ ፍርሃት ዓው በሊንኸተማታት ይሁዳእንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ አሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ። ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዘሰፈረንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ፧ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበነኽራን ብሚዛንንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ፧ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ፧ ምስ መን ተማኸረ፧ ኣእምሮ ዝሀቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሀሮፍልጠት ዘፍለጦመገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቚጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል። ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልንእንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልንኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዜልቦከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም። እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ፧ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧ ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ። እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኺስውእ ዓቕሚ ዜብሉ ድኻስ ዘይቊንቊን ዕጨይቲ ይሐሪዘይነቓነቕ ምስሊ ዚገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊኣእምሮ የብልኩምንእኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም፧ ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተወልኩምንመሰረታት ምድሪ ዚነግርዎዶኸ ኣየስተውዐልኩምን ኢኹም፧ ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖመሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ። ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዚገብሮም ንሱ እዩ። ብኡብኡ ምስ ተተኽሉ፡ ብኡብኡ ምስ ተዘርኡ፡ ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቚበቚ ይወስዶም። ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧ ይብል እቲ ቅዱስኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን። ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብልኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ፧ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርንኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉንኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
እዮብ 39:27-30 | 3 Helpful votes

ንስሪ ንላዕሊ ዚዐርግቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዚሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ፧ ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡ ኣብ ልዕሊ እምባ ይሐድር። ኣብኡ ዀይኑ ዚዝረፍ የማዕዱኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ። ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡ ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ

Translation | Context