Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

earth


መዝሙር 104:5 | 6 Helpful votes

ንዘለአለም ከይትናወጽሲንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ

Translation | Context
እዮብ 26:7 | 6 Helpful votes

ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:22 | 5 Helpful votes

ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዜስጥሖመሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚገብሮ ንሱ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 1:10 | 4 Helpful votes

ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1-31 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረትጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉንክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾምምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
ራእይ 21:1 | 3 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:18 | 3 Helpful votes

እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።

Translation | Context
መዝሙር 104:5-9 | 3 Helpful votes

ንዘለአለም ከይትናወጽሲንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ። ከም ብልብሲ ብመዓሙቚ አልበስካያማያት ኣብ ልዕሊ አኽራን ቈሙብመግናሕትኻ ሀደሙ፣ ብድምጺ ነጐድጓድካ ቐልጢፎም ከዱ። አብቲ ዝመደብካሎም ቦታ ኣኽራን ልዕል በሉ፣ ለሴታትውን ለጠቕ በሉ። ተመሊሶም ንምድሪ ኸይከድንዋስዘይሐልፍዎ ደረት ወሰንካሎም

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:5 | 2 Helpful votes

ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ።

Translation | Context
እብራውያን 1:10-12 | 2 Helpful votes

ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮምእዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብርኵሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:22 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 2:8 | 2 Helpful votes

ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉምስ መኳንንቲ የቐምጦምዝፋን ክብሪውን የውርሶም

Translation | Context
መክብብ 1:4 | 2 Helpful votes

ወለዶ ይኸይድ፡ ወለዶ ኸኣ ይመጽእምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም

Translation | Context
መዝሙር 115:16 | 2 Helpful votes

ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፣ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም

Translation | Context
ኢሳይያስ 51:6 | 2 Helpful votes

ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቊሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኺበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ከምኣ ኺሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ኪነብር፡ ጽድቀይውን ኣይኪስዐርን እዩ።

Translation | Context