Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

eat my body


ዮሃንስ 6:1-71 | 4 Helpful votes

ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስከደብዙሓት ህዝቢ ኸኣኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዓብዎየሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድድማ ቀሪቡ ነበረሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ርእዩንፊልጶስእዚ ኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ። እቲ ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ። ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ አሎእዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧ በሎ። የሱስ ከኣኣቐምጥዎም በለኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረሽዑ ተቐመጡቍጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዚኣኽሉ ነበሩ። የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሃቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎምምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱዝተረፈ ቘረርስሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእኣክብዎበሎምስለዚ ኣከብዎተረፍ እቶም ዝበልዑ ካብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኡእቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩእዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩበሉየሱስ ድማመጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰምስ መሰየደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱጸልሚቱ ነበረየሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ። እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ። ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኪቐርብ ከሎ፡ ርእዮም ፈርሁ። ንሱ ግናኣነ እየኣይትፍርሁበሎምሽዑ ናብ ጃልባ ኼእትውዎ ደለዩእታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዚኸድዎ ዘለዉ ምድሪ በጽሔት። ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረትደቀ መዛሙርቱ ጥራይን በይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፦ ግናኸ ኻልኦት ጃለቡ ኻብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኸ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻሽዑ እቶም ህዝቢየሱስ ኰነ ወይስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮምንሳቶም ድማ ናብተን ጃለቡ አትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካበልዎየሱስ ድማእትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩምብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽሐቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዚህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዚነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበርበልዎየሱስ ከኣግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩበሎምስለዚርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብርእንታይከ ትገብር አሎኻ፧ ኣቦታትናከምቲ ኺበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዚብል እተጻሕፈኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። ሽዑ የሱስእቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹበሎምሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይእቲ እንጌራ እቲኸ ኵሉ ሳዕ ሃበናበልዎየሱስ በሎምእንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ። ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፥ ርኢኩምንሲ ኣይኣመንኩምንን ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ። ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽተንስኦእዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእእዚውን ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እዩሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጕረምረሙ እሞ፥ እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነንከመይ ኢሉ ደኣካብ ሰማይ ወረድኩይብል አሎ፧ ይብሉ ነበሩ። የሱስ መሊሱ በሎምንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙእቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦንኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ኣብ ነብያትውንኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም፡ ዚብል ጹሑፍ አሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦንንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውትካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩእቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩስለዚ ኣይሁድእዝስስጋኡ ኽንበልዕከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑየሱስ በሎምስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩምደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብርኣነውን ኣብኡህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነንነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖምእዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩመን ኪሰምዖ ይኽእልበሉየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙብልቡ ፈሊጡእዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላትመንፈስ እየን ህይወትውን እየንየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦንዝበልኩኹምበሎምካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎምስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካናብ መን እሞ ኽንከይድንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩንሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:54 | 4 Helpful votes

ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:55-59 | 4 Helpful votes

ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብርኣነውን ኣብኡህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነንነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ

Translation | Context