Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን።
Translation | Contextበለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።
Translation | Contextሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጻሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሐጽባ ኣእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረአይዎም። ፈሪሳውያንን ኵሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቝም ከይተሐጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሐጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም። ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሐጽቡስ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። ትእዛዝ ኣምላኽ ሐዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ አሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ አሎኹም። ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎ፡ ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ አሎኹም። ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኵልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚአቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዚኣቱ ዅሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዚወጽእ። በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ስስዔ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት። እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኺፈልጦ ኣይፈተወን፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍኤት። እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ኬውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ መጺኡላ ረኸበታ። ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሔ፡ ኣቕኒዑውን ተዛረበ። ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንዅሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፥ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ መጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፡ ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን። ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየን፥ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ። ኲሉ ኳዂ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጒጒትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ። ንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓን፡ ቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ፡ ተምብሃረጆን መንካዕን። ኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን፡ ኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ። ኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩ። በርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳ፡ ብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ፡ ጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶን። ካብ ኲሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳን፡ ወይ ጒኖ፡ ወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዚዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ። ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ። ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዚዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሐለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዐሎውን፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ። ኲሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም። በቲ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።
Translation | Context