Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

24 bible verses about

eating red meat


ሮሜ 14:1-23 | 12 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩእቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያእቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርናንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትናንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትናናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮመንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎእቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔይዂነን

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:3 | 12 Helpful votes

ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:1-47 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦምንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕሸዀናኡ ድማ እተመቕለመጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማመጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣመጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩመጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞካብ ስጋኤን ኣይትብልዑገምበንውን ኣይትተንክዩኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑኣብ ማይኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹንካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወንዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየንንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳንጻዕዳ ኸርሶበላዕ ልኻይ በብዓይነቱኲሉ ኳዂ በብዓይነቱሰገንን ጒጒትን ሮብራንተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓንቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራንራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱተምብሃረጆን መንካዕንኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮምፋንጣ በብዓይነቱንኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩበርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶንካብ ኲሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳንወይ ጒኖወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዚዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስሽዑ ይነጽህ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ። ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስእቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዚዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሐለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስነቲ ገምቡ ዘልዐሎውንክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩኣይበላዕ ድማ። ኲሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎምበቲ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:4-5 | 5 Helpful votes

እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 3:17 | 5 Helpful votes

እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:29 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:25 | 3 Helpful votes

ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 7:23 | 3 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምገለ ስብሒናይ ብዕራይ ኰነ ወይ ናይ በጊዕ ወይ ናይ ጤልኣይትብልዑ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:29 | 3 Helpful votes

ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩምንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹምጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1-5 | 3 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶምንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡንብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:29-31 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:2 | 2 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:31 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እንተ በላዕኩምወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩምኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ

Translation | Context
ምሳሌ 23:20-21 | 2 Helpful votes

ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።

Translation | Context
ዳንኤል 1:12 | 2 Helpful votes

ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና

Translation | Context
ዘጸአት 12:8 | 2 Helpful votes

ነቲ ስጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:13 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 25:18 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራ ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዐነቶ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:4 | 2 Helpful votes

ግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙኣይትብልዕዎ

Translation | Context
ሮሜ 14:2 | 2 Helpful votes

ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ

Translation | Context
ዘዳግም 12:16 | 2 Helpful votes

ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ

Translation | Context
ህዝቅኤል 4:9 | 2 Helpful votes

ንስካ ስርናይና ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ወሰድ፣ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፣ ካብኡ እንጌራ ሰንክትብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቅሰለን መዓልትታት፣ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፣ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:29-30 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ

Translation | Context
ገላትያ 5:21 | 2 Helpful votes

ቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context