Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

eating seafood


ዘሌዋውያን 11:9 | 15 Helpful votes

ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑኣብ ማይኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:1-47 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦምንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕሸዀናኡ ድማ እተመቕለመጒስዕ ዚመልስ ዘበለ ብልዑ። ግናኸ መጒስዕ ካብ ዚመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቲም ኣይትብልዑገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ጊሔ ድማመጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ማንትሌ ኸኣመጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩመጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞካብ ስጋኤን ኣይትብልዑገምበንውን ኣይትተንክዩኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑኣብ ማይኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹንካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወንዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየንንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳንጻዕዳ ኸርሶበላዕ ልኻይ በብዓይነቱኲሉ ኳዂ በብዓይነቱሰገንን ጒጒትን ሮብራንተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓንቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራንራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱተምብሃረጆን መንካዕንኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዚኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮምፋንጣ በብዓይነቱንኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዐለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩበርባዕተ መሓውር ካብ ዚኸይድ ኲሉ እንስሳብግናዕ ኢዱ ዚኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። ገምቦም ዘልዐለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱጠበቕን ቊርብዖን ጐብየን ምንጭልቚትን ነፋሒቶንካብ ኲሉ ለመም ዚብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳንወይ ጒኖወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዚዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስሽዑ ይነጽህ። ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎኣብኡ ኻብ ዘሎ ዚብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዚስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ። ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስእቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዚዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዚዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። ካብቶም ንመብልዕ ዚዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሐለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስካብቲ ገምቡ ዝበልዔ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስነቲ ገምቡ ዘልዐሎውንክዳኑ ይሕጸብክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩኣይበላዕ ድማ። ኲሉ ብኸብዱ ዚኸይድን በርባዕተ መሓውር ዚኸይድወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎምበቲ ለመም ዚብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:7 | 7 Helpful votes

ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩመጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:9-12 | 6 Helpful votes

ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑኣብ ማይኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዚነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዚዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዚነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን

Translation | Context
ዘዳግም 14:1-29 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕእትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጤልንእራብን ሰስሓን ዓገዜንን ድንኵላን ዝዖታን ሜዳቚን ቶራንጽፍሩ ስንጡቕሸዀናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ኵሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑመጕስዕ ካብ ዚመልሱሸዀናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርዅሳት ይኹናኹም፡ ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ዅሉ ብልዑክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም። ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ካባታተን ከኣ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳንሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱንኵሉ ኳዅ ድማ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጕጕትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱንእሽቶ ጕንጓን ዓባይ ጕንጓን ቀራን ጕንጓ ድማ፡ ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕንክንፊ ዘልዎ ዅሉ ለመምታ ኸኣ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ። ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ። ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:1-29 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾምበሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋኵሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉን ዓሳታት ባሕሪ ዅሉን ኣብ ኢድኩም ተዋህበዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ። ግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙኣይትብልዕዎ። እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ። ንሳትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ሰስኑ፡ ኣብኣ ድማ ተባዝሑኣምላኽ ከኣ ንኖህንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርኣዕዋፍእንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ። ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእንንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳንምልክቱ እዚ እዩ። ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክርክርእዮ እየ። ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ስጋ ዘቘምክዎ ኺዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ። እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ከኣ ኣቦ ኸነኣን እዩ። እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ከኣ ሰብ ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርዉኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረወይኒ ኸኣ ተኸለ። ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነካምኣቦ ኸነኣን ከኣ ሕፍረት ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮምሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩሕፍረት ኣቦኦም ከደኑገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ሕፍረት ኣቦም ኣይረኣዩንኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠበለ ኸኣ፡ ከነኣን ርጉምነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን። በለ ድማእግዚኣብሄርኣምላኽ ሴምይባረኽከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹንኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበርከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን። ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ገበረኵሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 3 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮምሞት ይሙቱደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:16-17 | 3 Helpful votes

ደጊም ብብልዕን መስተንወይ ብምብዓል በዓላትወይ ብሰርቂ ወርሒወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። እዚ ነቲ ዚመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ።

Translation | Context