Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።
Translation | Contextካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ።
Translation | Contextኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሕቂ ኣይከውንን እዩ።
Translation | Contextንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።
Translation | Contextኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን።
Translation | Contextስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።
Translation | Contextዮያኪን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ። እታ ዓመት ምስ ሐለፈት ድማ፡ ንጉስ ነብካድነጻር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ከክቡራት ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንጼድቅያስ ሓዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ። ጼድቅያስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሐተን። ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነብካድነጻር ድማ ዐለወ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስሲ ክሳዱ ኣትረረ ልቡውን ኣጽንዔ። ብዘለዉ ሊቃነ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጽያፍ ኣረማውያን ኣዝዮም ብዙሕ ኣበሱ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት እግዚኣብሄርውን ኣርከስዋ። ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። ግናኸ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ፡ ፈውሲውን ክሳዕ ዚስእን፡ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ፡ ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም። ስለዚ ንሱ ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጒባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎም፡ ንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሽያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንዂሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎም። ንዂሉ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ዓብይን ንኡስን፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ ንጉስን መኳንንቱን ድማ፡ ኲሉ ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
Translation | Contextንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዚንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዚንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚንዕቆ።
Translation | Context